Zombie

Zombie corpse | rises from grave after man buried alive

Zombie corpse | rises from grave after man buried alive
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ታሪኽ ብራዚል
ፈጺሙ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓደ ዘደንጹ
ዛንታ ተፈጺሙ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ከተማ
ሳኦፓውሎ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ
ሰብኣይ “ዓሪፉ” ተባሂሉ ብስድራኡን
መቕርቡን ኣብ መካነ-መቓብር ድሕሪ
ምቕባሩ ንምሸቱ ካብቲ ዝተቐብረሉ
ጉድጓድ ብህይወት ወጺኡ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር፡ እቲ
ሰብኣይ ብመሪር ብኽያት ስድራ-ቤቱን
መቕርቡን ተሰንዩ ኣብ መካነ መቓብር
ናይ’ታ ከተማ ድሕሪ ምቕባሩ፡ ንምሸቱ
ሓንቲ ስማ ዘይተገልጸት ሰበይቲ ሕቋፍ
ዕንባባ ሒዛ ኣብቲ ከባቢ መቓብር በዓልቤታ እናደለየት እንከላ’ያ ብሃንደበት
ኣስተብሂላትሉ። እቲ ጸቒጥዎ ዝነበረ
ሓመድ ሓፍ-ሓፍ እናበለ ክነቓነቕ ተዓዚባ።
ፈለማ ሰንቢዳ ካብቲ ከባቢ ርሒቓ ኔራ።
ደሓር ግን ድፍረት ተሓንጊጣ
ተመሊሳቶ። ቀሪባ ክትዕዘቦ
ብዝፈተነት ድማ ካብ ዉሽጢ
ጉድጓድ ዘድሂ ትሑት ድምጺ
ኣውያት ሰሚዓ። ብድሕሪ’ዚ
ቴለፎን ናብ ኣባላት ስርሒት
ህይወት ኣድሕን’ታ ከተማ
ካብ ምድዋል ሓሊፋ እንታይ
ከምእትገብር ፍጹም ሓርበታ።
ኮይኑ ግን እቶም ኣባላት ህይወት
ኣድሕን ብኡ ንብኡ ከተፍ ስለ
ዝበሉ ሻቕሎታ ክቕንጠጠላ ጀመረ።
ኢደይ ኢድካ ኢሎም ነቲ ሓመድ
ብባዴላ ኣለይዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ
ነቲ ሰብኣይ በእዳዉ ብሓይሊ ስሒቦም
ካብቲ ጉድጓድ ኣውጽእዎ።
ብመሰረት ፖሊስ ብራዚል፡ እቲ
ሰብኣይ ካብቲ መቓብር ድሕሪ ምውጻኡ
ብኣምቡላንስ ተጸይሩ ናብ ሆስፒታል’ዩ
ኣምሪሑ። ኩነታት ጥዕናኡ ድማ ኣብዚ
እዋን ክመሓየሽ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ኣቐዲሙ ሰራሕተኛ ምምሕዳር
ናይ’ታ ከተማ ከምዝነበረ ዝንገረሉ
ሰብኣይ፡ ድሕሪ ዘጋጠሞ ከቢድ ናይ ርእሲ
ማህረምቲ’ዩ ሞይቱ ተባሂሉ ተቐቢሩ።
ካብቲ መቓብር ተፋሒሩ ክወጽእ እንከሎ
ዘርኢ ናይ ቪድዮ ስእሊ ንሚልዮናት
ዜጋታት’ታ ሃገር ኣደንጺዎም ምህላዉ
ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።