advice and support

Young peoples advice and support

Young peoples advice and support

ጽኑዕ ፍቕሪ ዘለናን ሰለስተ ዓመታት ዝገበርናን ኣዕሩኽ ኢና። ዓርከይ ምስ ስድራ ቤቱ ኣላኢዩኒ’ዩ። ኣነ ግን ምስ ስድራ ቤተይ ከላልዮ እናደለኹ፡ ብፍርሒ ዝኣክል ላንጋ ላንጋ ኰይነ ኣለኹ። ስድራ ቤተይ ወዲ ጎቲተ እንተ ኣተኹዎም እንታይ ኰን ይብሉኒ ይዀኑ። ሚሚ-ካብ ኣስመራ ዝበሉ እንተ በሉ፡ ክሳብ መዓስ’ሞ ካብ ስድራ ቤትኪ ተሓቢእኪ ክትነብሪ ኢኺ። ስድራኺ ዕርክነት ከም ዘለኪ ኣረጋጊጾም፡ ከም’ቲ ዝበልክዮ “ባዕላ ጎቲታ ክሳብ ተምጽኦ ንጸበያ” ይብሉ እንተ ሃለዉኸ እንታይ ትፈልጢ? ክቃወሙኺ ዘይደልዩ እንተ ዀኑ፡ ስለ ዝሓባእክሎም ግን ባህ ከም ዘይብሎም ፍለጢ። ኣብ ስድራ ቤትኪ እምነት ክተሕድሪ እትኽእሊ፡ ሓቂ ብምዝራብ ጥራይ’ዩ። ብኻልኦት ሰባት እንተ ድኣ ሰሚዖሞ፡ ኣባኺ እምነት ከም ዘጉድሉ ፍለጢ። ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ድማ መጻኢ ዘይብሉ ርክብ ምምስራት ደኣ’ምበር፡ ንጽቡቕ ነገር ዕርክነት ምምስራት ኣብ ሕብረተሰብና ነውሪ ኣይኰነን – ኣውራ’ኳ ደኣ ኣብ ከተማታት። ስለ’ዚ ኣላልይዮ። ከም’ቲ ዝበልክዮ፡ እንተ ድኣ ብቐጥታ ንምዝራብ ትስከፊ ሃሊኺ፡ ፈለማ ምኽንያት እናፈጠርኪ ናብ ገዛኹም ከም ዝቀላቐል ብምግባር፡ ወለድኺ ከም ዘይጋየሽዎ ግበሪ። ቀስ ብቐስ ኩነታት ስድራ ቤትኪ እናተኸታተልኪ፡ ኣብ ገዛኹም ሻሂ ቡን ዝኣመሰሉ ጋብዝዮ። ምስ ስድራ ቤትኪ ጽቡቕ ሌላ ምስ ገበረ፡ ክትነግርዮም ዝያዳ ክፈዂሰኪ ይኽእል’ዩ። መን ይፈልጥ ይፈትዉዎ’ሞ፡ እዚስ ሰብኣይ ጓልና እንተ ዝኸውን ይብሉ ይዀኑ። ናይ ቀረባ ናይ ሓዳር መደብ እንተ ድኣ ሃልዩኩም ድማ፡ ጓልኩም ሃቡና ዝብሉ ሽማግለታት ስለ ዘለዉ ዘሰክፍ የብልክን። ኣብ መወዳእታ ካብ ወለድኺ ዝኽወል ጾታዊ ዝምድና ኣይሃልኺ ንብለኪ።ወላ