Oldest Mothers

World’s Oldest Mothers Stay At Home Mum 01

World’s Oldest Mothers Stay At Home Mum 01

ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየት ኣደ፡ ኣብ እርጋን ወሊድኪ እናበሉ ንዘሸግርዋ ሰባት “ሳላ
ዝወለድኩ ብህይወት እነብር ኣለኹ” እናበለት ትምልስ ኣላ።
ህንዳዊት ራጆ ደቪ ሎሃን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 70 ዓመታ ብሓገዝ ሕክምና
ከም ዝወለደት ምንጭታት ይሕብሩ። እታ ጓል 74 ዓመት ኣደ “ምእንቲ ጓለይ ክብል
ክነብር እየ” ብምባል ክሳዕ መርዓ ጓላ ከም ትጸንሕ ገሊጻ።
እታ ኣደ ብሓገዝ ናይ ፍርያምነት ሕክምና ምስ ወለደት ኣብ ሽምግልና ብምውላዳ
ሓያሎ ወገናት ኣሉታዊ ነቐፌታ ክህቡ ጸኒሖም እዮም።
እታ ኣደ ግና ናይ ምውላድ ሓያል ድልየት ስለ ዝነበራ ብደገፍ በዓል ቤታ ካብ
ማህጸን ወጻኢ ብዝካየድ ኣገባብ ጥንሲ (IVF) ክትወለድ ክኢላ። ብናይቲ ምውላድ
ሳዕቤን ዝወረዳ ሕማም ክሳዕ ሕጂ የሳቕያ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እንተሞተት ጓላ ናይ ሰፊሕ
መሬት ወራሲት ከም ዝዀነትን ኣቦኣን ካልኦት ቤተ ዘመድን ከም ዝሕብሕብዋን ድማ
ትገልጽ።