Garbage Truck 

World’s Best Garbage Truck Huckleberry slams

World’s Best Garbage Truck

ኣብ ደቡብ ፍሎሪዳ ዝነብር ሰብኣይ
ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕማም፡ ኣብ ሆስፒታል
እግሩ ድሕሪ ምቝራጻ፡ እታ ዝተቘርጸት
እግሩ፡ ምስ ናይ ሆስፒታል ቍጽሪ ዓራቱን
ስሙን ዝተጻሕፎ ካርድ ኣብ እንዳ ጓሓፍ
ስለ ዝረኸባ ነቲ ሆስፒኣል ከሲሱ ኣሎ።
እቲ ጆን ቲሚርያሰይፍ ዝተባህለ ወዲ
52 ዓመት ሰብኣይ፡ ካብ ትሕቲ ብርኪ
ዝተበትከት የማነይቲ እግሩ ክብሪ ብዝጎደሎ
ተደርቢያ ስለ ዝረኸባ ‘መንፈሳዊ ሃስያከም ዝወረዶ ኣረዲኡ።
ካብ’ቲ ሆስፒታል ተፋንዩ ምስ ወጸ፡ ኣብ
ናይ ህይወት ሓደጋ ናይ ሰብ መርመራ
ዘካይዱ ጉጅለታት ጸጥታ፡ ብዛዕባ’ታ
ዝተረኽበት እግሪ፡ ናብ ገዛ እታ ስድራ
ብምድዋል፡ ኣብ’ታ እግሪ ዝተለጠፈ ሽም
ብሓቂ ናይ ቲሚርያሰይፍ እንተ ዀይና
ከረጋግጹ ሓቲቶም። ኣባላት ናይቲ ስድራ
ናብቲ ሆስፒታል ምስ ከዱ ከኣ ሓቅነት
ናይ’ቲ ኩነታት ከረጋግጹ ክኢሎም።