$1.4M to online

Woman wires $1.4M to online lover in Africa she’s never met

Woman wires $1.4M to online lover in Africa she’s never met

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ሜትሮ ‘ሳራ’ ብዝብል ቀዳማይ ስም ጥራይ እዩ ዝጽውዓ። ብኢንተርነት ምስ ዝተላለየቶ ክሪስ ኦስለን ምስ ዝበሃል ሰብ ምጽሕሓፍ ካብ ትጅምር ዓመትን መንፈቕን ገይራ ኣላ። ነቲ ‘ይዀነኒ’ ይኸውን ኢላ ዝኣመነቶ ሰብ ከየቋረጸት እያ ገንዘብ ትልእከሉ።ኣዘራርብኡ ሕያዋይ ከም ዝዀነ ከኣ እያ ትገልጽ። ምስቲ ብኢንተርነት ፍቕሪ ዝሓዛ ሰብኣይ ዘለዋ ዝምድና ጥዕና ከምዘይብሉ ክኢላታት ሕጊ ሓቢሮማ ኣለዉ። ብቐዳምነት ኣብዚ ሓጺር ግዜ ክሳብ 1. ልኢኻትሉ ኣላ። ክሪስ ኦስለን ከምዝበሃል ዝነገራ ሰብኣይ ኣብ ኣፍሪቃ ኰይኑ እዩ ዝጽሕፈላ። ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ፈቲኑ ብተደጋጋሚ ‘ብዘይገበሮ’ ክስታት እናተነጽገ ከም ዝተኸልከለ እያ ትገልጽ። ገለ ዘጠራጥር ኣባሃህላታ እኳ እንተረኣየትሉ 95 ሚእታዊት ግና እቲ ዝዀና ሰብኣይ ከም ዝረኸበት እያ ትእምን። ‘መልክዑ ከኣ ክፍተወካ’ ትብል ሳራ። ሳራ ክልተ ሳዕ ተመርዕያ ዝተፋትሐት እያ። ኣብ ካልእ ክፍለዓለም ኰይኑ ገንዘብ ስደዲ ናብ ዝብላ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሰብኣይ ክትምርዖ እዩ ሓሳባታ። ብዛዕብ ትልእከሉ ገንዘብ ስክፍታ ዶ ኣለኪ? ነይራ። ዝዀነ ዘጣዕስ ስምዒት ከም ዘይብላ እያ ተረድእ። መበቈሉ ኢጣልያዊ ከም ዝዀነን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝሰርሕን፡ ኣብ ናይጀርያን በኒንን እውን ዋኒን ከምዘለዎን እዩ ዝነግራ – ክሪስ ኦስለን።
4 ሚልዮን ዘይውሕድ ዶላር ተባሂላ ተሓቲታ