Newspaper Revenge

Woman Takes Out Newspaper Revenge Ad On Cheating

Woman Takes Out Newspaper Revenge Ad On Cheating

ውሽማ ሒዙ ሰብኣያ ዘሕረራ ኣብ ቴክሳስ እትነብር ኣመሪካዊት፡ ብናይ ዮሃና ምልክታ ሕኒኣ ከምዝፈደየት ምንጭታት’ቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። እታ ሰበይቲ ሓዳር ቴሌዶ ባንድ ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘውጸኣቶ ብምልክታ ዝተኸሸሐ ምስጢራዊ ፍቕሪ ምልክታ ፦ “ሻራ ኮርሜርን ፓትሪክ ብራውንን፡ ቈልዓ ክውለድ ኣብ ትጽቢት ስለ ዘለኹም ዮሃና እንቋዕ ሓጐሰኩም። ክትፋቐሩን ፍቕርኹም ከኣ ክቕጽልን እምነየልኩም። ካብ ሰበይቲ ፓትሪክ” ብምባል ኣቃሊሓ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ጋዜጣ ዝወጸ ጽሑፍ ኣብ ፌስቡክ እውን ስለ ዘቃለሓቶ ኣብ ስድራቤት እታ ካልእ ሰበይቲ መዛረቢ ክኸውን ክኢሉ። እዚ ናይ ሕነ ምፍዳይ ኣገባብ “ካብ ስሕለት ካራ ዝበልሕ መውግኢ” ብምባል ሓደ ማዕከን ዜና ገሊጹዎ። ሰበይቲ ፓትሪክ ብሕጊ እንተተሓቲታ ብመሰረት ሕጊ ሃገሮም ናጻ ክትወጽእ ዝሕግዛ መከላኸሊ ከይሓዘት ከምኡ ከምዘይትገብር ሓያሎ ወገናት ይኣምኑ።