Woman marries

Woman marries dog in traditional ceremony

Woman marries dog in traditional ceremony

እዛ ኣብ ስእሊ እትዕዘብዋ ዘለኹም ጎርዞ፡
ማንግሊ ሙንዳ ዝተባህለት ጓል 18 ዓመት
ህንዳዊት እያ። ኣብ ገጠራት ምብራቓዊ
ክፋል’ታ ሃገር ድማ’ያ ትነብር። እዛ ኣብ መኣዲ
ትምህርቲ ክትሳተፍ ዕድል ዘይረኸበት ጎርዞ፡
ብሓደ ኣብቲ ዘላቶ ዓዲ ዝነብር ጠንቋሊ “ጋኒን
ኣለዋ” ስለ ዝተባህለት፡ ነበርቲ’ታ ዓዲ ሕማቕ
ፋል ከይተምጽኣሎም ብምፍራሕ ክንጽልዋን
ክፍንፍንዋን’ዮም ጸኒሖም። መወዳእታኡ
ግን ዓበይቲ ዓዲ ናይ’ታ ቁሸት ምስ ስድራኣ
ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጥ፡ ማንግሊ ምስ
ሓደ ኣብታ ቁሸት ዝነብር ፋሉል ከልቢ ክትምርዖ
ወሲኖም። ነዚ ውሳነ’ዚ ዝወሰድሉ ምኽንያት
ከኣ፡ እቲ ሰሪርዋ ኣሎ ዝተባህለ ጋኒን ንዓኣ ገዲፉ
ናብቲ ከልቢ መታን ክሰግር ኢሎም’ዮም።
ጋኒና ናብቲ ከልቢ ምስ ሰገረ ነቲ ከልቢ ፈቲሓ
ዳግማይ ምስ ሰብኣይ ክትምርዖ ከምእትኽእል
ድማ በቶም ዓበይቲ ዓዲ ተነጊርዋ።
ብድሕሪ’ዚ ማንግሊ ከምዚ ኣብ ስእሊ
እትዕዘብዎ ዘለኹም ብኣዝማዳን ደቂ ዓዳን
ተዓጂባ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ስነ-ስርዓት መርዓ
ብምዕሩግ ኣገባብ ፈጺማቶ።
“ምስ ከልቢ ከነመርዕዋ ምውሳንና ብገለ ወገናት ከም ዕሽነት ክቑጸር ይከኣል ይኸዉን።
ኮይኑ ግን ማንግሊ ምስቲ ዝሓዛ ሓያል ጋኒና
ምስ ሰብ እንተኣመርዒናያ እቲ ጋኒን ናብ ደቃን
ደቂ-ደቃን ስለ ዝሓልፍ ኣብ ምሉእ ወለዶኣ ኢና
ዕንወት ክንፍጽም ኢና። እዚ ንኸይከዉን ኢልና
ኢና እምበኣር ምስ ከልቢ ቃል-ኪዳን ከነእስራ
ዝመረጽና።” ይብል ጭቃ ናይ’ታ ዓዲ።
ማንግሊ ብወገና፡ “ምስ ከልቢ ምምርዓወይ
ባህ ኣይበለኒን። ግና ቅድሚ ሎሚ ኣብዚ ዓድናን
ጎደቦናን ከምዚ ከማይ ብትእዛዝ ዓዲ ምስ ከልቢ
ዝተመርዓዋ ሓያለ ኣዋልድ ስለ ዘለዋ፡ ብዙሕ
ኣይተጨነቕክሉን። ደሓር ከኣ እቲ ኣብ ዉሽጠይ
ኣሎ ዝብልዎ ጋኒን ስለ ዝለቀለይ፡ ምስ ከመይ
ዝኣመሰለ ሰብኣይ ክምርዖ ከኽእለኒ’ዩ” ብምባል
ርእይቶኣ ሂባ።
ብመሰረት ጋዜጣ ሚረር፡ ኣብቲ ዘይተኣደነ
ወጻኢታት ዝፈሰሶ ስነ-ስርዓት መርዓ ልዕሊ ሚእቲ
ዕዱማት ክሳተፉ እንከለዉ፡ መንፈሳዊ መራሒ
ናይ’ታ ቁሸት ድማ ንኽልቲኦም ቃል-ኪዳን
ኣእሲርዎም። ነቲ መርዓቱ ሒዙ ብዝተሸለማ
መካይን ክዛወር ዝወዓለ ከልቢ ዘማጽአ ወላዲ
ማንግሊ ኮይኑ፡ ኣብቲ መርዓ ኣዝዩ ተደሲቱ
ከምዝወዓለ ጸብጻብ ጋዜጣ ሚረር ወሲኹ
የመልክት።