Auburn

Woman falls asleep, is run over by train in Auburn

Woman falls asleep, is run over by train in Auburn

ኣብ ኣላባማ (ሕቡራት መንግስታት
ኣመሪካ)፡ ሓንቲ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ
ኣብ መንገዲ ባቡር ድሕሪ ምድቃሳ ባቡር
ብልዕሊኣ ሓሊፋ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት
ከምዘይወረዳ መርበብ ዜና ዩ.ፒ.ኣይ.
ሓቢሩ።
ናይ ስኽራን ምርባሽን ባህርይ ከምዘለዋ
ዝተገልጸት ዕድለኛ ሊንሲ ሆርን፡ ድሕሪ’ቲ
ኣጋጣሚ ተኸሲሳ ኣብ ሕጊ እያ ቀሪባ።
እታ ክልተ ሞተረን ሓደ ተጎታቲ ባጎኒን
ዝነበራ ባቡር ብልዕሊኣ ድሕሪ ምሕላፋ፡
ኣብ ውሽጢ ዝነበረ መቆጻጸሪ ሰብ ወዲቑ
ከምዘሎ ከርእዮም ስለዝኸኣለ ደው
ክትብል ተገዲዳ። ኣምቡላንስ እውን
ተጸዊዓ። ኣብ መወዳእታ እታ ሰብ ብዘይገለ ጉድኣት ደቂሳ ጸኒሓቶም። ኣበራቢሮም
ሓቲቶምዋ። ደቂሳ ምጽንሓ’ምበር ካልእ
ትፈልጦ ከምዘይብላ ሓቢራቶም።
ንምናልባት ተባሂሉ ናብ ሕክምና ወሲዶም
ኣመርሚሮምዋ፡ ጉድኣት ከምዘይብላ
ተረጋጊጹ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ናይዚ ኩሉ ክሳራን
ከልበትበትን ተሓታቲት ብምዃና ኣብ
ሕጊ ቀሪባ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ትጽበ
ኣላ።
ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ እታ ባቡር ዝያዳ
ባጎኒታት እንተዝነብራኣ ነይረን፡ ናይታ
ሓቂ ከይተዛረበት ኣብ መገዲ ባቡር
ዝደቀሰት መንእሰይ ናይ ምድሓን ዕድል
ኣዝዩ ምጸበበ ነይሩ።