Why Do We Yawn and Is It Contagious?

ኣብ ገለገለ መርመራታት ምንብሃቚ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝጸንሐ ሕማቕ ኣየር ኣውጺና፡ ሓድሽ ኣየር ናብ ውሽጥና ከነእቱ እነካይዶ መስርሕ እዩ ክበሃል ይግለጽ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ከነንባሁቕ ከለና፡ ኣብ ውሽጥና ዝጸንሐ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣውጺእና፡ ሓድሽ ኣየር ብምስሓብ ነቲ ኣብ ደምና ዝርከብ መጠን ኦክስጅን ንውስኽ ክብሉ ይገልጹ። ሰብ ነቲ ሕማቕ ኣየር ኣውጺኡ ሓድሽ ኣየር ዝትክእ እንተድኣ ኰይኑ ግን፡ ስለምንታይ’ዩ ኣብ እዋን ድኻም ዘንባሁቕ? ሓንጎልና ምትእስሳር እንተሃለዎ፡ እቲ ኣንባሂቚና እነእትዎ ኣየር ግን ንኣብ ሓንጎልና ዝርከብ ኦክስጅን ክቕይሮ ኣይርአን እዩ። እቲ ቀንዲ ንተመራመርቲ ሕቶ ኰይኑዎም ዘሎ ግን፡ ዝዀነ ፍጡር መጠን ኦክስጅን ክውስኽ የንባሁቕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ኢና ስፖርትኣብ ንሰርሓሉ እዋን ዘይነንባሁቕ? ዋላ’ኳ ዝተፈላለየ መ ር መ ራ ታ ት እንተተኻየደ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ልክዕ መልሲ የለን። ኣብ ዝተወስደ ሓፈሻዊ መ ደ ም ደ ም ታ ግን ሰባት፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣውጺኦም ሓድሽ ኦክስጅን ንምእታው ከም ዝንባሁቑ’ዩ ዝፍለጥ።
። እዚ ሓሳብ ዋላ’ኳ ምስ ዝብል’ዩ።