Vantablack

Vantablack The world’s blackest material

Vantablack The world’s blackest material

ትካል ሱረይ ናኖ-ሲስተምስ፡ ኣብ
2018 ‘ቫንታብላክ’ ዝተሰምየ ካብ
ምጽላሙ ዝተላዕለ ክትርእዮ እንከሎኻ
ክተሓዝ ዝኽእል ነገር ዘይኰነስ ናብ
ዘይውዳእ ጕድጓድ ትርኢ ከም ዘሎኻ
ከም ዝመስል ነገር’ዩ ምሂዙ።
ቫንታብላክ፡ ን99.96 ሚእታዊት
ኣብ ዝባኑ ዝዓልብ ብርሃን ክውሕጥ
ከም ዝኽእል እውን ይፍለጥ። እዚ
ነገር’ዚ፡ ኣብ ሓደ ትርብዒት ሰንቲ
ሜትር ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዝብዝሖም
ብልክዕ ዓቐን እተረሓሓቑ ናኖ-ትዩባት
ኣለዉዎ። እዚኣቶም ነቲ ዝመጽእ ብርሃን
ኣብ መንጎኦም ተናጢሩ ብቕጽበት ናብ
ዋዒ ወይ ረስኒ ከም ዝቕየር ብምግባር
የጥፍኡዎ።
ቫንታብላክ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ
ዝተኻየደ ኦሊምፒክ ሓጋይ 2018 –
“ምፍንጫል ኣብ ህዋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ በቲ ነገር ዝተዳለወ ምርኢት ከም
ዝነበረ ኣይርሳዕን። ብዘይካ’ዚ፡ ትካል ሱረይ
ናኖ-ሲስተምስ ንቫንታብላክ ብዝንጸንግ
መልክዕ ወይ ስፕረይ ብምድላው
“VBx2” ዝብል ስም ብምሃብ ከም
ዘዳለዉ ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ
ትካል ስነ-ከዋኽብቲን ካልኦትን፡ ንምህዞ
ቫንታብላክ ኣብ ውሽጢ ቴለስኮፓቱ
ንምጥቃም ድሌት ከም ዘለዎም ምግላጾም
ኣይርሳዕን።