raining MONEY

Traffic comes to a halt as it starts raining MONEY

Traffic comes to a halt as it starts raining MONEY

ኣብ ከተማ ዱባይ ጁመይራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ካበይ ይፍኖ ከምዘሎ ዘይተፈልጠ ኣቕራሽ ደርሃም (ባጤራ ኤማራት ዓረብ) ኣብ ጽርግያ ብምዝናቡ ሰብ መካይን ጠጠው እናበሉ ክኣርዩ ከለዉ ከም ተራእዩ ጸብጻባት ኣፍሊጦም። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተራእየ ኣጋጣሚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸር ደርሃም ናብ ጽርግያ ክወርድ ከም ዝተራእየ ዝገልጹ መሰኻኽር፡ ብዙሓት ዱባይ፡ ኣቕራሽ ‘ዘኒቡ! ሰባት ክሳዕ ብፖሊስ ዝስጎጉ ኣርዮም ይእክቡ ምንባሮም ይገልጹ። ነፍሲ ወከፍ ባጤራ ጥቕሉል 500 ደርሃም ከም ዝነበረን ብንፋስ ፊል ፊል እናበለ ኣብቲ ጽርግያ ይዝሮ ምንባሩን የረድኡ። ድሒሮም ኣብቲ ስፍራ ዝተረኽቡ ኣባላት ፖሊስ ነቶም ገንዘብ ዝኣርዩ ዝነበሩ ሰባት ብምስጓጕ ነቲ ከባቢ ከምዘህድእዎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ዝዀነ ሓበሬታ ክሳዕ ሕጂ ከም ዘይተዋህበ ተፈሊጡ ኣሎ።