new virus

There’s a new virus in Brazil that scientists can’t even recognize

There’s a new virus in Brazil that scientists can’t even recognize

ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተሃንጸ ኣርቲፊሻላዊ
ቀላይ መጽናዕቲታት ዘካይዱ ዘለዉ
ኣህጉራውያን ተመራመርቲ፡ ቅድሚ
ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቫይረስ ከም
ዝረኸቡ ሓቢሮም።
ኣብቲ ቀላይ ብዙሓት ዓበይቲ ቫይረሳት
ነቲ ናይ ኣሜባ ዕስለ ከጥቅዑ እንከለዉ፡
እቶም ተመራመርቲ ካልኦት ንኣሽቱ
መርኣያታት ክረኽቡ ክኢሎም እዮም።
ናይቲ ቫይረስ ጅር ድሕሪ ምምርማር
ከኣ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ጂራቱ
ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ
እዮም ከረጋግጹ ክኢሎም።
እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ነቲ ‘ያራ
ቫይረስ’ ብምባል ዝሰመይዎ ሓድሽ
ቫይረስ ንዘለዎ ሕነተ-ሰረት (genome)
ድሕሪ ምምማይ፡ ሽድሽተ ካብ ጅራቱ
ጥራይ ንኻልኦት ቫይረሳት ዝመሳሰል
ኰይኑ ክረኽብዎ እንከለዉ፡ እቲ ዝተረፈ
68 ጅራት ግን ሓደስቲ ምዃኖም
ከረጋግጹ ክኢሎም ኣለዉ።
ምርካብ እቲ ሓድሽ ቫይረስ፡ ምስዚ
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ
ናይ ሓድሽ ቫይረስ (ኮሮናቫይረስ) ከም
ኣስጋኢ ተርእዮ ክጥቀስ ከም ዝከኣል
እዮም እቶም ተመራመርቲ ዝጠቕሱ።
እንተዀነ፡ ተመራመርቲ ብተደጋጋሚ
ሓደስቲ ቫይረሳት ከም ዝረኽቡ እዩ
ዝንገር። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ፡ ካብ
2016 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን
ጥራይ፡ ቍጽሪ ናይ’ቶም ኣብ ውቅያኖሳት
ዘለዉ ዝተመዝገቡ ቫይረሳት ካብ 15 ሽሕ
ናብ 195 ሽሕ ከም ዝዓረገ እዩ ዝግለጽ።
ያራቫይረስ ንኣሜባ ጥራይ ከም ዘጥቅዕ
እዩ ተፈሊጡ ዘሎ። ንሰባት ከጥቅዕ ዓቕሚ
ምስ ዘጥሪ ግን፡ ንህላውነትና ኣስጋኢ ናይ
ምዃን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ
እዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ። ምኽንያቱ፡
ገለ ገለ ቫይረሳት ኣብ ጥዕናና እወታዊ
ጽልዋ ስለ ዘለዎም እዩ።