The world economy

The world economy in 2020

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ቍጠባ ዓለም ኣብ 2020 ብልዕሊ ሽዱሽተ ሚእታዊት ከንቈልቍል
ከምዝኽእል፡ ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት ኣሚቶም።
እቲ ለበዳ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜ ምስ ዘይንኪ፡ እቲ ተገሚቱ ዘሎ መጠን ምንቍልቋል መሊሱ ክዓርግ
ከምዝኽእል፡ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ’ሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሳዕቤናት ናይ’ቲ ሕማም ንዕብየት ቍጠባ 2021’ውን ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል፡
ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ኣሚቶም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቍጠባ ዓለም ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ርእይዎ ዘይፈልጥ ዝሕታለ ከጋጥሞ
ከምዝኽእል፡ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ዘስዕብ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ኣብ ቍጠባ ዓለም ብቐሊል
ዘይግመት ስንብራት ይገድፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።