X-rays

The strangest objects in the X-rays

The strangest objects in the X-rays

ብ ከተማ ባካው (ሮማንያ) ክልተ መንእሰያት መስተ እናሰተዩ እንከለዉ፡ ኣብ ምውርራድ ኣትዮም። እቲ “ብዘይ ገለ ጉድኣት ፋርኬታ ክውሕጥ ይኽእል እየ” ይብል። እቲ ካልኣዩ ድማ፡ “ፍጹም ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብሎ። በዚ ‘እኽል’ ‘ኣይትኽእልን’ ክበሃሃሉ ነዊሕ ኮይኑ። መስተ ድማ ይወርድ እዩ ዘሎ። መወዳእታኡ እቲ ‘እኽእል እየ’ በሃሊ ክእለቱ ብግብሪ ንምርኣይ ፋርኬታ ብምልእታ ብኣፉ ኣእትዩዋ። እቲ ካልኣዩ ደንጽዩዎ ትም ኢሉ። ወዲ 25 ዓመት ራዱ ካሊንቸስኩ ሮማንያ፡ ፋርኬታ ዝወሓጠ መንእሰይ ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ቃንዛ ክስምዖ ጀሚሩ። ተጓይዮም ናብ ሕክምና ወሲዶምዎ። ኣብኡ እውን፡ እቲ ዘጋጠሞ ብግልጺ ክዛረብ ኣየደለየን። ኣብ ጎሮሮኡ ቃንዛ ይስምዖ ከምዘሎ ጥራይ እዩ ንሓካይም ነጊርዎም። ራጂ ገይሮምሉ። እታ ፋርኬታ ኣይተለውየት ኣይተሰብረት ኣብ ኣፍልቡ ተላሒጋ ትጸንሕ። ህጹጽ መጥባሕቲ ኣይገበርሉን። ዝስተ ፈሳሲ ሂቦም፡ ባዕላ ብባህርያዊ መስርሕ ክትወጽእ ክጽበያ ከምዘለዎ ተነጊርዎ። እንተ ደኣ ዘይወጺኣ ግን መጥባሕቲ ምግባር ከድልዮ እዩ።