most fruitful

The most fruitful Roussillon bull in the world

The most fruitful Roussillon bull in the world

ኣብ ሮዚልዮነ (ኢጣልያ) ዘፊር ዝተባህለወዲሓሙሽተዓመትብዕራይ 104 ምራኹት ክወልድ ብምኽኣሉ፡ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ፈራዪ ተባሂሉ ካብ ኣህጉራዊ ውድብ ኣርሓታት ኣብዑር ሻምፕዮንነት ረኺቡ። ዩ. ሓበሬታ ከምዝገለጾ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣውስትርያ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ኣብዑር እኳ እንተተወዳደሩ፡ ምስ ዘፊር ክማዕራረዩ ግን ኣይከኣሉን። ኣቲና ካብ ዝተባህለት ኣደን ዘውስ ካብ ዝተባህለ ኣቦን ዝተወልደ ሮዚልዮነ (ጥቓ ጀነዋ) ተወሊዱ ዝዓበየ እቲ ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎ ብዕራይ፡ ንስዊዘርላንዳዊ ኣርሓ ብምቕዳም እዩ ነቲ ዓወት ክጓናጸፍ ክኢሉ። ኣህጉራዊ ውድብ ኣርሓታት ኣብዑር (ኢንተርቡል) 34 ኣባል ሃገራት ዘለውኦ ውድብ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎኣብዑርዝተፈላለየውድድራት ብምስራዕ በበይኑ ዝዓይነቱ ዋናጩን ሽልማትን ይህብ። ወነንቲ ናይቲ ብዕራይ፡ ብዓወት ብዕራዮም ዝተሰምዖም ደረት ዘይብሉ ሓጎስ ብምግላጽ፡ ዘፊር ብሕጂ’ውን ዝያዳ ምራኹት ብምውላድ ተወሳኺ ኣህጉራዊ ሽልማታት ክዓትርምሉእ ምትእምማን ከምዘለዎም ኣረጋጊጾም።
ፒ.
ኣይ.
ዝተባህለ መርበብ