bee stings

The hidden health benefits of bee stings

The hidden health benefits of bee stings

ወልፊ ሽጋራን መስተን ቁማርን፡ ገለ ካብቶም ልሙዳት ዓይነት ወልፊታት’ዮም። ካብ’ዚኦም ዝፍለዩ ግን ከኣ ምስ ወልፊ ዝስርዑ ፍሉያት ዓይነታት ወልፊ’ውን ይቀላቐሉ’ዮም። መንከስቲ ንህቢ፡ ንጥዕና ብዙሕ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ዝተረጋገጸ’ዩ። እቲ መንከስቲ ምስ ዝበዝሕ ሞት ከስዕበልና ከም ዝኽእል ግና ዘይንስሕቶ’ዩ። ማርግሬት ጆርዳን ዝተባህለት ብሪጣንያዊት መንእሰይ፡ ናይ መንከስቲ ንህቢ ወልፊ’ዩ ዘለዋ። ንሳ ኣብ መዓልቲ ብ20 ኣናህብ እንተዘይተነኺሳ፡ ልክዕ ከም ወልፊ ቡን ዘለዎ ሰብ ርእሳ ሓሚማ ትውዕል። ኣብ ከባቢኡ፡ እዚ ኬንያዊ መንእሰይ “ሮበርት እቲ በላዒ ፕላስቲክ” ዝብል ሳጓ’ዩ ዘለዎ። ወዲ 7 ዓመት እንከሎ፡ ብዘይተረደኦ ምኽንያት ፕላስቲክ ምስ በልዐ፡ ካብ ሽዑ እቲ ወልፊ ምብላዕ ጎማታት ፕላስቲክ ከም ዝጀመሮ ይዛረብ። ሮበርት ንፕላስቲክ ልዕሊ ዝዀነ መግቢ ከም ዝሰርዖ’ዩ ዝገልጽ። እዞም ሰባት፡ ዝዀነ ዓይነት ጥዕናዊ ጸገም ከም ዘይብሎም እንተሓበርናኩምከ!