Stubborn Man

Stubborn Man Refused To Talk To Wife For 20 Years

Stubborn Man Refused To Talk To Wife For 20 Years

ሰብ ሓዳር ክገራጨዉን፡ ተዃሪዮም
ንሓጺር እዋን ምዝርራብ ክኣብዩን ንቡር’ዩ።
ናይ ጃፓናውያን መጻምድቲ “ኦቶ ካትያማን
ዮሚን” ግን ንበይኑ እዩ። ቅድሚ ዕስራ ዓመት
ምስ ተዃረዩ፡ ተዘራሪቦም ኣይፈልጡን።
ጋዜጣ ደይሊ መይል ከም ዝሓበረቶ፡ ዮሚ
ነቲ ኣቦ ሰለስተ ደቃ ኦቶ ከተዘራርቦ ብዙሕ
እኳ እንተፈተነት፡ እንትርፎ ምንቕናቕ ርእስን
ዘይስማዕ ድምጽን፡ ፍረ ዘለዎ ዘረባ ካብ
ዘይዛረባ ክልተ ዕቑድ ሓሊፉ ኣሎ።
ዩሺኪ ዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት ቦኽሪ
ወዶም ከረዳድኦም ብዙሕ ፈቲኑ ምዃን ምስ
ኣበዮ፡ ንሓደ መደበር ተለቪዥን ሽግሩ ድሕሪ
ምሕባር፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተሰነየ ናይ
ዕርቂ ጉጅለ ናብ ቤቶም ኣምረሐ።
ኦቶ ምስ ተሓተተ፡ “ንወላዲተይ ሸለል
ብምባል ተዕልላ ኣይነበረትን። ናብ ስራሕ
ኣብ ዝኸደሉ ኣደይ ብዙሕ ይጽምዋ
ነይሩ። ኣብ’ታ ወላዲተይ ዝሞተትላ ዕለት
ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ምስኣ ፍጹም ከይዛረብ
ምሒለ” ብምባል ምኽንያት ኩራኡ
ሓቢሩ።
ኦቶ፡ በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣድላዪ
ምኽሪ ምስ ተዋህቦ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ
በዓልቲ ቤቱ ኣፉ ከፊቱ ይቕረ ተበሃሂሉ
ኣሎ።