Stop nagging

Stop nagging! Six tips to break the habit and improve your

Stop nagging! Six tips to break the habit and improve your

ደሃልቲ ዓይነት ሰባት፡ ሃደድቲ ኰይኖም፡ ንኹሉ ኣብ ትሕቲኦም ዝርከብ ዝንዕቁን ዝድህሉን’ዮም። ሃዳዲ ዓይነት ሰብ ነቲ ሕማቕ ባህሪኡ ኣብ ድኹም’ዩ ኢሉ ዝገመቶ ሰብ ስለ ዘንጸባርቖ፡ ብድፍረት ዝገጥሞ ምስ ዝረክብ ግን ቀልጢፉ ዝስነፍ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ክኢላታት ስነልቦና ይገልጹ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ፡ ብስድራቤት፡ ኣዕሩኽቱን መዛኑኡን ተዳሂሉ ስለ ዝዓበየ፡ ኣብ ትሕቴኻ ንዘሎ ምድሃል ዕግበት ይህቦ፤ ግን ነብሰ- ተኣማንነት ስለ ዘይብሉ ንዘጋጥሞ ተቓውሞ ክብድህ ውሕስነት ከምዘይብሉ ድማ ደጊሞም ይገልጹ። ምስ ደሃሊ ሰብ ትሑትን ምቕሉልን ኴይንካ ምጉዓዝ፡ ናይ’ቲ ሕማቕ ባህሪኡ ግዳይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጥቕሚ የብሉን። እናተሃደድካ ምንባር ንሃዳዲ ብቐጻሊ ንኽድህለካ ሓይሊ ምሃብ’ዩ። ግቡእ ግብረ መልሲ ብዘይምሃብካ፡ ልክዕ ከም ቈልዓ ብመዛንኡ እናተሳቐየ ብሕፍረት ዝኣክል ስቕ ዝብል’ሞ ግዙእ ኰይኑ ዝነብር፡ ግዳይ ኴይንካ ትነብር። እቲ ዝኸፍአ፡ ሓደ ደሃሊ ወይ ሃዳዲ ክድህለካ ምስ ዝጅምር’ሞ ተቓውሞ ምስ ዘይተርኢ ብቐጻሊ ስለ ዝድህለካ’ዩ። ንኸምዚኦም ዓይነትሰባት ንምቅዋም ዝሕግዙ ነጥብታት፡ 1. ሰባት ይስሕቅዎም፡ እዚ ግን ቀጻሊ ግዳይ’ዩ ዝገብር። 2. ተዳሂሎም ኣዒንቶም ናብቲ ዝድህሎም ዘሎ ካብ ምጥማት ይቑጠቡ፡ እዚ ግን ምንብርካኽ’ዩ። ተቓውሞኻ ብኣዒንትኻ ግለጽ። 3. ናብ ድኽመት ስለ ዝመርሓካ፡ ደሃሊ ናብ ከምኡ ዓይነት ደረጃ ክትወርደሉ’ዩ ዝደሊ። 4. ዝኸውን ምሳኻ ዝስዕብ ብጻይካ ግበር። ብንጹር ኣብ ልዕሌኻ ዘንጸባርቖ ባህሪይ ከወግድ ከኣ ኣብርሃሉ። ንሃዳዲ/ደሃሊ ፍሽኽታ ይኹን ስሓቕ ኣይተርኢ። ብዙሓት ሰባት ንሃደድቲ ኣዒንትኻ ኣብ ገጽ ደሃሊ ንዝተናውሐ ግዜ ትኸል። ብዙሓት ግዳያት፡ ምስ ደሃሊ ክትዛረብ ከለኻ፡ ዓው ኣይትበል። ምጭዳር ዓቕልኻ ኣወዲኡ፡ ሃዲእካ ከለኻ፡ ነቲ ዝድህለካ፡ ኣብ ብሕቲ ንኽትዛረቦ ዓድሞ። ዘፍርሓካ ምስ