Grey Hair

Spotting Grey Hair in Your Youth

Spotting Grey Hair in Your Youth

ነፍሲ-ወከፍ ዓይነት ጸጒሪ፡
ኣብ ክልተ ታሕተዎት
ቀጸላታት ጸጒሪ ካብ ዝርከብ
ጓንጓ ይበቊል። እቲ ጓንጓ
ወይ ሰገባ፡ ሕብሪ ዘፍርዩ
ቀመማውያን ባእታታት ኣለዎ።
በዞም ባእታታት እዚኣቶም’ዩ
ጸጒሪ ጸሊም፡ ሓመዳዊ ወዘተ
ዓይነት ሕብሪ ዝህልዎ። እቲ
ቀመማዊ ባእታ፡ ኣብ ግዳማዊ
ሽፋን ናይ ጸጒሪ ናብ ዝርከቡ
ዋህዮታት ይስደድ። እዞም
ዋህዮታት ኣብ ሽጒርቲ መሰል
ቅርጺ ዘለዎ ኮርተክስ ዝተባህለ
ክፋል ጸጒሪ እዮም ዝርከቡ።
ኮርተክስ ከኣ ኣብ ሱር ጸጒሪ ይርከብ።
ኣብ እዋን ንእስነት፡ ሕብሪ ጸጒሪ ወዲ
ሰብ ወይ ጸሊም ወይ ከኣ ሓመዳዊ እዩ።
ዕድመና እናወሰኸ ምስ ከደ ግን፡ እቶም
ሕብሪ ጸጒሪ ዝውስኑ ቀመማውያን
ባእታታት፡ እናደኸሙ እናደኸሙ
ይኸዱ። ኣብ መጠረሽታኡ ድማ
ጠሪሾም ይጠፍኡ። እቲ ካብቶም ዝደመቑ ቀመማውያን
ባእታታት ወይ ድማ ሕብሪ ዝውስን
ቀመማዊ ባእታ፡ ካብ ዘይብሉ ኣካላት
ዝበቊል ጸጒሪ ሕብሪ ኣልቦ ተባሂሉ
ይጽዋዕ’ዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ሰያብ
ጸጒሪ ሕብሩ ጻዕዳ ኣይኰነን፤ ሕብሪ
የብሉን። እንተዀነ ከምቲ ማይ ባሕሪ
ሰመያዊ ዘይኰነ እንከሎ ሰመያዊ
መሲሉ ዝረኣየና፡ ሰያብ ጸጒሪ ኸኣ ጻዕዳ
ዘይኰነ እንከሎ ጻዕዳ መሲሉ ይረኣየና።
ሕብሪ መሲሉ ይረኣየና እምበር ከምኡ
ኣይኰነን።