Trump

Senate votes to acquit Trump of impeachment charges

Senate votes to acquit Trump of impeachment charges

ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ዝርከቡ ኣባላት
ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት
ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረብዎ ክሲ
ክስማዕ ድሕሪ ምቕናይ፡ ላዕለዋይ ባይቶ
ትማሊ ብዘካየዶ ድምጺ ናይ ምሃብ
መስርሕ፡ ንትራምፕ ካብ ገበን ናጻ ከም
ዝገበሮ ተሓቢሩ።
ኣብቲ 100 ኣባላት ዘለውዎ ሰኔት፡
እቶም 47 ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ፡
ትራምፕ ገበን ከም ዝፈጸመን ካብ
መዝነት ክወርድ ከም ዘለዎን ከድምጹ
እንከለዉ፡ 52 ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን
ከኣ፡ ትራምፕ ካብ ገበን ናጻ ከም ዝዀነን
ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ከምዘለዎን
ኣድሚጾም።
ሓደ ካብ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡
ናይ ክፍለ ሃገር ዩታህ ምስሌነ፡ ሚት
ሮምኒ፡ ናብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ዘቢሉ
ኣንጻር ትራምፕ ከም ዘድመጸ
ተሓቢሩ።
ስልጣኑ ኣብ ናይ ብሕቲ ጥቕሚ ከም
ዘውዓለን፡ መስርሕ መርመራ ከይካየድ
ከዐንቅጽ ከምዝጸንሐን ዝገልጹ ክልተ
ክስታት – ብኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ
ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ቀሪቦም ምንባሮም
ይፍለጥ።ላዕለዋይ ባይቶ፡ ነዚ ክስታት ብክልተ
ሲሶ ድምጺ ከም ገበን እንተዝቘጽሮ ነይሩ፡
ትራምፕ ካብ መዝነቱ ተረፊቱ፡ ምክትሉ
ማይክ ፐንስ መንበሩ ምተረከቦ።
ኣብ ዝቕጽል ሕዳር ኣብ ዝካየድ
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድማ፡ ዶናልድ
ትራምፕ ናይ ማይክ ፐንስ ምክትል
ኰይኑ ክወዳደር ምኸኣለ።
ንትራምፕ ናጻ ዝገብር ፍርዲ ድሕሪ
ምግላጹ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ክልተ
ሰልፍታት ክካየድ ዝቐነየ ምትህልላኻት፡
ናብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከቢድ ናይ
ቃላት ምልውዋጥ ይስማዕ ከምዘሎ
ጸብጻባት ይሕብሩ።
ናብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝውግን
ማዕከን ዜና ፎክስኒውስ እውን፡ ኣብ
ልዕሊ እቲ ኣንጻር ትራምፕ ዝቘመ
ሚት ሮምኒ ከቢድ ዘለፋታት የዝንብ
ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ኣብ ትዊተር
ብዝዘርገሖ ጽሑፋት – “ለመጭ” ኢሉ
ከም ዝነቐፎ ጸብጻባት የረድኡ።
ትራምፕ፡ ኣብቲ ንሓያሎ ኣዋርሕ
ብተቐናቐንቱ ክቐርበሉ ዝጸንሐ
ክስታትን ፍጻመታትን መብርሂ ክህብ
ትጽቢት ይግበረሉ።