oil price

Saudi Arabia’s plan to hit Russia with oil price

Saudi Arabia’s plan to hit Russia with oil price

እታ ዝበዝሐ ነዳዲ ዘይቲ ንሰደድ እትልእኽ ስዑዲ-ዓረብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ምስ ሩስያ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክትበጽሕ ብዘይምኽኣላ ንዋጋታት ነዳዲ ብተዓጻጻፊ ከም ዘጉደለቶ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ንመጠን ሰደድ ነዳዲ ንምቁጽጻር፡ ማሕበር ሰደድቲ ነዳዲ ዘይቲ ‘ኦፔክ’ን ሩስያን ብሓባር ብምዃን ክሰርሓ ምጽንሐን እዩ ዝንገር። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ስዑዲ ዝመርሓተን 14 ኣባላት ኦፔክ ምስ ሩስያ ተራኺበን ነቲ ብሰንኪ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ተፈጢሩ ዘሎ ምጉዳል ጠለብ ነዳዲ ኣብ ዋጋታት ምእንቲ ምጉዳል ከየምጽእ መጠን ሰደድ ንምጉዳል ክረዳድኣ እየን ተራኺበን ነይረን። ብሰኑይ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲናብ 31. ዝወዓለ እዩ ዝሕበር ዘሎ። እተን ሃገራት ነቲ መዓልታዊ ንሰደድ ክውዕል ዝጸንሐ ቀረብ ነዳዲ ብ 1. ኣብ ዝብል እማመ ምስምማዕ ድሕሪ ምስኣነን እዩ፡ እቲ ርክብ ብዘይ ፍረ ክብተን ዝኸኣለ። ከምዚ ዝዓይነቱ ምንቁልቋል ዋጋታት ነዳዲ ዘይቲ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2016 ኣጋጢሙ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
02 ዶላር ኣንቆልቊሉ ከም 5 ቢልዮን በርሚል ከጕድላኦ