satellite

satellite to make movies from space

UK satellite to make movies from space

ሓንቲ ነዳዲ ዝወድአት ናይ ኤውሮጳ
ሳተላይት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት
ክትወድቕ ምዃናን ስብርባር ኣካላት
ገጽ መሬት ክሃርም ምዃኑ ሲ.ኤን.ኤን.
ሓቢሩ።
እቶም ስብርባራት መዓስን ኣበይን
ከምዝሃርሙ ዝተፈልጠ ነገር እኳ እንተዘየለ፡
ወኪል ጠፈር ኤውሮጳ ግን፡ መብዛሕትኡ
እቲ ቁርጽራጽ ናይታ ሳተላይት ኣብ
ውቅያኖሳትን ሰብ ዘይበዝሖ ከባቢታትን
ክወድቕ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። በቲ
ስብርባር ክህረም ናይ ዝኽእል ከባቢታት
ስፍሓት ንምጽባብ ይሰርሕ ምህላዉ ድማ
ኣፍሊጡ።
ገለ ገለ ገምጋማት ድማ፡ እዛ ኣብ 2009ዝተፈላለየ ናይ ቅመራ ስርሓት ከተካይድ
ናብ ጠፈር ዝተላእከት ሳተላይት ሎሚ
ወይ ጽባሕ ክትወድቕ ምዃና ይእምቱ።
እታ ሳተላይት ኣብ 2011 ከቢድ
ምንቅጥቃጥ መሬት ንጃፓን ኣብ
ዝሃረመሉ እዋን፡ ማዕበላት ድምጺ ናይቲ
ባህርያዊ ክስተት ረኺባ መሊሳ ናብ
መሬት ከምዝለኣኸቶ ሰብ-መዚ ወኪል
ጠፈር ኤውሮጳ ይሕብሩ። በዚ ከኣ ኣብ
ተልእኾኣ ዕውትቲ ምዃና እዩ ዝግለጽ።
እታ ሳተላይት ብ21 ጥቅምቲ ነዳዲ
ከምዝጸንቀቐት እዩ ዝግለጽ። ይኹን’ምበር
ስለምንታይ ነዳዲ ክሳብ ትውድእ ትም
ኢላ ተራእያ፡ ወይ’ውን ንምንታይ
ቅድሚኡ ተልእኾኣ ፈጺማ ከምእትምለስ
ዘይተገብረ፡ ዛጊት ዝወጸ ሓበሬታ የለን።