Malaysia

Python caught in Malaysia could be the longest ever recorded-01

Python caught in Malaysia could be the longest ever recorded

ኣብ ኢንዶኔዥያ፡ ሓደ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝጸንሐ ሓረስታይ ሰብኣይ ኣብ ከብዲ ዝተቓወመት ክፍለ-ሃገር ኣመሪካ እያ።
ገበል ድሕሪ ምርካቡ ኣብታ ሃገር ስንባደ ፈጢሩ።
ብመሰረት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ እቲ ኣብ ምብራቓዊት ደሴት ሱላወሲ ኣብ
እትርከብ ‘ሱሉቢሮ’ ዝተባህለት ዓዲ ዝቕመጥ ኣኽባር ዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት
መንእሰይ፡ ካብ ግራት ሕርሻኡ ምህርቲ ክእክብ ኢሉ ዝሓለፈ ሰሙን ንበረኻ ምስ
ወፈረ’ዩ ከይተመልሰ ተሪፉ። ንምርካቡ እናተደልየ እንከሎ ግን፡ ሓደ ‘ፋይቶን’
ዝዓይነቱ ሸውዓተ ሜትሮ ዝቑመቱ ገዚፍ ገበል ኣብ ሳልስቱ (ዝሓለፈ ሰኑይ)
ኣብ ከባቢ’ቲ መንእሰይ ዝጠፍኣሉ ቦታ በቶም ደቂ ዓዲ ተራእዩ። እቲ ገበል
ማእከል ከብዱ ጉልጭ ኢሉ ብምንባሩ፡ ነቲ ዝጠፍአ መንእሰይ ንሱ ውሒጡዎ
ከይከውን ብኡ ንብኡ ጠርጠሩዎ። ቀቲሎም ከብዱ ምስ ጠብሑዎ ከኣ፡ ሬሳ ናይ’ቲ
መንእሰይ ኣብኡ ጸንሖም። ሰብ-መዚ ዕቃበ እንስሳ-ዘገዳ’ታ ሃገር ድሒሮም ኣብ
ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዞባ ሰብ ዝበልዕ ገበል ንመጀመርታ ግዜ ሕጂ ከምዝረኣዩ
ኣረዲኦም። ከምዚኦም ዓይነት ገዘፍቲ ገበላት ኣብ ኢንዶኔዥያን ፍሊፕንስ ብብዝሒ
ከምዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ 2013፡ ሓደ ኣባል ጸጥታ ኢንዶንዜዥያ ኣብ
ገማግም ባሕሪ ናይ ደሴት ባሊ ብተመሳሳሊ ዓሌት ገበል ተቐቲሉ ምንባሩ ጸብጻብ
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ወሲኹ የመልክት።