tattoo

Policeman’s tattoo helps reunite Mumbai family

Policeman’s tattoo helps reunite Mumbai family

ኣብ ከተማ ሙምባይ ናይ ህንዲ፡ ሓደ
ኣባል ፖሊስ ቆልዓ ከሎ ኣብ ከተማ ድሕሪ
ምጥፍኡ ኣብ ኢዱ ሳላ ዝነበረት ውቃጦ
ድሕሪ 24 ዓመታት ምስ ስድርኡ
ክጽንበር ከምዝኸኣለ ቢ.ቢ.ሲ. ሓቢሩ።
ጋነሽ ራግሁናጽ ዳንጋደ ወዲ ሽዱሽተ
ዓመት እንከሎ እዩ በቲ ምስ ስድርኡ
ዝቕመጠሉ ዝነበረ ቦታ ክትሓልፍ ምስ
ዝረኣያ ባቡር ተሰቒሉ ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ
ወሪዱ።
ኣብ ዝተፈላለያ መዕበያ ዘኽታማት
ድሕሪ ምዕባዩ ከኣ ኣብ ሓይሊ ፖሊስ
ተሰሊፉ። ብድሕሪኡ ድማ’ዩ ስድርኡ
ከናዲ ዝፈተነ።
ኣብ የማናይ ምናቱ ስም ኣዲኡ (ማንዳ
ዝብል) ውቃጦ ስለዝነበሮ ከኣ፡ ብኡ
እናተመርሐን እናጣየቐን ከይተሓለለ ስድርኡ ምድላይ ቀጺሉ። መወዳእትኡ
ከኣ ነዲኡ ረኺብዋ።
“ውቃጦይ ምስ ኣርኣኽዋ፡ ክትገልጽ
እኳ እንተፈተነት፡ ንብዓት ስለዝሰዓራ
ግን መግለጺኣ ክትቅጽል ኣይከኣለትን።
ንብዓታን ብኽያታን ክትቆጻጸሮ
ኣይከኣለትን። ደሓር፡ ኩሉ እቲ ከባቢ
ተኣኪቡና። እተን ጎረባብቲ እውን ምስኣ
ክነብዓ ጀሚረን” ይብል ዳንጋደ።
በዅሪ ገዛ ዝኾነ ራግሁናጽ ዳንጋደ፡
ክልተ ኣሓትን ክልተ ኣሕዋትን
ኣለዉዎ። ኣቡኡ ንሱ ድሕሪ ምጥፍኡ
ሞይቱ። ኣዲኡ ከኣ እንዳ ሰብ እናሰርሐት
ደቃ ከተዕቢ ጸኒሓ። ሕጂ ግን፡ “ደሞዝ
ስለዝጀመርኩ፡ ኣደይ ከተዕርፍያ፣ ሓላፍነት
ናይታ ስድራ ከኣ ባዕለይ ክወስድ እየ”
ይብል እቲ ኣባል ፖሊስ።