IQ score

Pinterest Ramarni Wilfred IQ score Is Higher Than Both Bill Gates and Albert Einstein

Pinterest Ramarni Wilfred IQ score Is Higher Than Both Bill Gates and Albert Einstein

ብ ብሪጣንያ ዝነብር ወዲ 11 ዓመት ብብልሒ ኣእምሮ ንኣልበርት ኣንስታይንን ስቴፈን ሆውኪንስን ብምቕዳም ዝለዓለ ነጥቢ ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ። እቲ ራማርኒ ዊልፍረድ ዝተባህለ ቈልዓ እግሪ ተኽሊ እንከሎ ብርቱዕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ከርኢጀሚሩ። ቀልጢፉ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ብቕዓት ድማ ኣጥርዩ። ኣብ 10 ዓመቱ ድማ ሓደ ናይ ፍልስፍና መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ጽቡቕ ነጥቢ ተቐቢሉሉ። ናይ ኦክስፎርድ ናይ ምረቓ ኣልባሳት ኣልቢሶም ከኣ ኣተባቢዕምዎ። መምሃራን ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ከዝልልዎ እኳ እንተደልዩ፡ ኣደኡ ማዕረ ካልኦት መዛኑኡ ክጓዓዝ ስለ ዝደለየት ኣይተቐበለቶን። ዘለዎ ብቕዓት ብዘየገድስ “ኩሉ ቈልዓ ዝገበሮ ዝገብር ናይ ቈልዓ ባህርያት እዩ ዘለዎ’ ትብል ጓል 37 ዓመት ኣደኡ። ኣብዚ ዘበን’ዚ ብህይወት ዘሎ ፕሮፌሰር ሆውኪንስ፡ ናይ ማይክሮሶፍት መስራቲ ቢል ጌትስን፡ ናይ ስነ ፍልጠት ሊቅ ኣልበርት ኣንስታይንን ብሚዛን ብልሒ ኣኣምሮ (ኣይ ኪው) ነፍሲ ወከፎም ማዕረ 160 ነጥቢ እዮም ኣመዝጊቦም። ራማርኒ ዊልፍረድ ግና ኣብ 11 ዓመቱ 162 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ!! ባህጊ ናይቲ ቈልዓ ኣብ ኦክስፎርድ ኣትዩ ኣስትሮፊዚክስ ከጽንዕ ስለ ዝዀነ እዚ ሕጂ ረኺብዎ ዘሎ ናእዳ ከም ቁም ነገር ኣይቈጸሮን። ክልተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ጥራይ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ብልሒ ኣእምሮ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።