Health benefits

Papaya fruit: Health benefits

Papaya fruit: Health benefits

=> ፓፓዮ ብትሕዝቶ ጽሕጊ
ሃብታም ስለዝኾነ፡ ዓቐን ኮሌስትሮል
ኣብ ሰብነትና ንምንካይ ጠቓሚ’ዩ።
ኮሌስትሮል ንኸይውህለል ዝከላከል
ኢንዛይም ስለዘለዎ ከኣ ወቕዒ ልቢ
ይከላኸለልና።
=> እቶም ኣብ ፓፓዮ
ዝርከቡ ጸረ-ምራተ ንጥረነገራት ኣብ ዘይዕድመና
ከይንኣርግ ይሕግዙና።
=> ፓፓዮ ልዑል
ትሕዝቶ ፖታሽየምን
ቪታሚን ‘ኤ’ ን ኣለዎ።
=> ፍረን ቆጽልን ፓፓዮ
ኣብ መዓናጡና ንዝርከቡ
ተሃዋስያን የጥፍኡልና።
=> ፓፓዮ ኣብ መስርሕ
ምሕቃቕ መግቢ ሓጋዚ’ዩ።
ድርቀት’ውን ይከላኸል።
‘ፓፐይን’ ዝተባህለ
ኢንዛይም ስለዘለዎ ባህርያዊ
ምሕቃቕ መግቢ የቀላጥፍ።
=> ጽማቚ ፓፓዮ ምዝውታር፡
ንረኽሲ ዳንዱር (ታሕተዋይ ክፋል
ረጒድ መዓንጣ) መግሉን ልፋጩን
ብምጽራይ ይፍውሶ።
=> ቆርበት ፓፓዮ ቀልጢፎም
ምሕዋይ ንዝኣበዩ ናይ ቆርበት ቁስሊታት
ኣብ ምፍዋስ ፍቱን መድሃኒት’ዩ።
=> ብትሕዝቶ ካሎሪ ትሑት፡
ብኻልኦት መኣዛታት መግቢ ግን
ሃብታም ስለዝኾነ፡ ብፍላይ ነቶም ቅርጾም
ንኸይበላሸዉ ኣገባብ ኣመጋግባኦም
ዘመዓራርዩ ሰባት ኣዝዩ ጠቓሚ’ዩ።
=> ፓፓዮ ኣዘውቲርካ ምምጋብ፡
ካብ ተምላስን ዕግርግር ዝብል ስምዒትን
ይከላኸል። ብፍላይ ንነፍሰ-ጾራት
ጽቡቕ’ዩ።
=> ፓፓዮ ጸረ-ነድሪ ባህርያትስለዘለዎ፡ ነቶም ብሕማም ሪሕ (ነድሪ
መጋጥሞ)፡ መግሊ ዝመልአ ሕበጥን ነድሪ
ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ዝሳቐዩ ሰባት፡
ቃንዛ ኣብ ምንካይ ሓጋዚ’ዩ።
=> ብጉንፋዕ፡ ሰዓልን ኢንፍሉዌንዛን
ብተደጋጋሚ ንዝጥቅዑ ሰባት’ውን ኣዝዩ
ጽቡቕ መድሃኒት’ዩ – ንባህርያዊ ስርዓተምክልኻል ሕማም ስለዘደንፍዕ። እዚ ድማ
ልዑል ትሕዝቶ ቪታሚናት ‘ሲ’ ን ‘ኤ’ ን
ስለዘለዎ’ዩ።
=> ፎሮፎር ኣብ ምክልኻል ንኡድ
ተራ’ዩ ዝጻወት።
=> ጥረ ፓፓዮ ከኣ ዘይስሩዕነት ጽግያት
ደቀንስትዮ ኣብ ምንካይ ጠቓሚ’ዩ።
 ከስዐ ኣብ ምጽራይ
መወዳድርቲ የብሉን። መጽናዕቲታት ከም
ዝሕብሩዎ፡ ን3 – 4 መዓልታት ጥራዩ
ፓፓዮ ምብላዕ፡ ኣብ ከስዐን መዓናጡን
ጽልዋ ሓይሊ (Tonic) የሕድር።
ብሓፈሻኡ ኩሉ ኣካላት ፓፓዮ
ጠቓሚ’ዩ። ካብ ፍረኡ ክሳብ ኣቚጽልቱን
ስጋ ናይ’ቲ ፍሩታን ነናቱ ትሕዝቶን
ኣገልግሎትን ኣለዎ። ብሓጺሩ ውሽጡ
ይኹን ደጊኡ ዝድርበ የብሉ።