Norway News

Norway News | ብፍትሕ ዝሰክሐት ነርወይ ንዜጋታታ ትምዕድ

Norway News | ብፍትሕ ዝሰክሐት ነርወይ ንዜጋታታ ትምዕድ
መንግስቲ ነርወይ፡ ኣብታ ሃገር
ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ ዘሎ ፍትሕ
መታን ክንኪ ምርዑዋት መጻምድቲ
ኣብ ዝወዓሉ ውዒሎም ወትሩ ምሸት
እናተራኸቡ ብሓደ ከማስዩ ምሕጽንታ
ኣቕሪቡ።
እቲ መንግስቲ ነዚ ምሕጽንታ
ዘቕርብ ዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ክርአ
ዝጸንሐ መጠን ፍትሕ ናብ ዝለዓለ
ጥርዙ ማለት ናብ ልዕሊ 40% ደዪቡ
ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ዝበዝሑ ካብቶም ሓዳሮም ብፍትሕ
ዝብትኑ ዘለዉ መጻምድቲ ከኣ ኣብ
ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከቡን ቈልዑ
ዝወለዱን እዮም። መንግስቲ ነርወይ
ኣብቲ ብመገዲ ማዕከናት ዜናኡ ኣቢሉ
ዘመሓላፎ ዘሎ ጎስጓስ፡ ቀንዲ ጠንቂናይ’ቲ ኣብ ሃገሩ ገኒኑ ዘሎ ፍትሕ
መጻምድቲ ንፍቕሮምን ሓዳሮምን
እኹል ግዜ ይህብዎ ዘይምህላዎም
ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። በዚ ምኽንያት
ኩሎም መጻምድቲ ነዚ ኣካይዳ’ዚ
ገዲፎም ኣብቲ ስራሕ ውዒሎም
ዘዕርፍሉ እዋን ምሸት እናተራኸቡ
ብሓደ ምስ ዘማስዩ እቲ ዝበለጸ
መድሃኒት ናይ ፍትሕ ምዃኑ ይመክር
ኣሎ። “ሰብ-ሓዳር ምሸት ተራኺቦም
ፍቕሮም ዝገላለጽሉን ብዛዕባ ሓዳሮም
ኢሂን ምሂን ዝበሃልሉን እኹል ግዜ
ግድን ክህልዎም ኣለዎ። ዝያዳ
ድማ ተራኺቦም ባህታ ዝፈጥረሎም
ንጥፈታት ንኸካይዱ ኣብ እዋን ምሸት
እኹል ግዜ ክፈልዩ ኣለዎም። ደቆም
ኣብ ገዛ ገዲፎም ተሓቛቚፎም ድዮም