New York woman

New York woman with eight husbands denies

New York woman with eight husbands denies

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ እትነብር ጓል
39 ዓመት ሊያና ባሬንቶስ፡ ብኣድራጋ
ሽውዓተ ሰብኡት ብምምርዓዋ ብሕጊ
ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ኣላ። እዞም
ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡
ናብ ኣሜሪካ ንኸይኣትዉ “ቀይሕ
ምልክት” ዝተገብረሎም ዜጋታት፡
ኣመሪካዊት ብምምርዓው ዜግነት ምእንቲ
ክረኽቡ ክብሉ ፡ ሓደ ብዛዕባ እቲ ካልእ
ከይፈለጠ ኣብ ርእሲ ርእሲ ቃል-ኪዳን
ከም ዝኣሰሩላ ተፈሊጡ።
እቲ ናይ ቃል ኪዳን ፌርማ ከይነቐጸከሎ፡ ሸውዓተ መርዑት ቀዋሚ ነባርነት
ኣመሪካ ክወሃቦም ከም ዝሓተቱ ጸብጻባት
የረድኡ። ገሊኣቶም ሕቶኦም ምስ
ተነጽገ ብኡ ንብኡ ናይ ፍትሕ ጥርዓን
ኣቕሪቦም።
ባሪርየንቶስ፡ ሳለ ኬታ፡ ንዝተባህለ ወዲ
ማሊ ክትምርዖ ኣብ ምምሕዳር ከተማ
ፍቓድ ምስ ሓተተት፡ እያ ሰብ መዚ
ኣብ ጥርጣረ ዝኣተዉ። ብዘካየድዎ
መርመራ ድማ ምስ ሓያሎ ሰባት ቃልኪዳን ዝኣሰረትሉ ኣዝዩ ብዙሕ ስነዳት
ጸኒሑ።