twin babies

New Year day welcomes twin babies born in separate years

New Year day welcomes twin babies born in separate years

ኣብ ህንዲ ዞባ ማዲያ ፕራደሽ እትነብር ጓል 28 ዓመት ነፍሰ-ጾር፡ ኣብ ማህጸና ዓሰርተ ዕሸላት ሒዛ ከምዝጸንሐት ተሓቢሩ። እታ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ዝጸንሓ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ሃንደበታዊ ሕማም ስለዝተሰመዓ ናብ ሆስፒታል ከምዝኸደትን ኣብ ሓደ መዓልቲ ህይወት ዘይብሎም 10 ዕሸላት ከምዝተገላገለትን ሓካይም ህንዲ ገሊጾም። እቲ ጥንሲ ባዕሉ ክብርዕን እንከሎ፡ ጥዕና’ታ ነፍሰ-ጾር ግን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ኣይተሓበረን። እታ ኣንጁ ኩሽዋሃ ዝተባህለት ኣደ፡ ብሓንሳብ 10 ዕሸላት ኣብ ማህጸና ጸይራ ከምዝጸንሐት ዘረጋገጹ ሓካይም፡ እዚ ድማ ኣቐዲማ ናይ ፍርያምነት መድሃኒት ክትወስድ ብምጽንሓ ከምዘጋጠመ ኣረዲኦም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ዶክተራት፡ እታ ህንዳዊት፡ “ቪትሮ ፈርቲላይዘሽን” ብዝተባህለ ሕክምናዊ መስርሕ’ያ ክትጠንስ ክኢላ። ኣቐዲምካ ንብዝሒ ናይቶም ዕሸላት ናይ ምጉዳል መስርሕ እንተዝካየድ ድማ ክሳብ ሰለስተ ዝኣኽሉ መናቱ ብህይወት ክትወልድ ትኽእል ምንባራ ኣገንዚቦም። ኣብ 2009 ናድያ ሱሌማን ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ኣብ ሓደ እዋን ሸሞንተ ጥዑያት ዕሸላት ክትገላገል ብምኽኣላ፡ ወናኒት ክብረ ወሰን ጊነስ ከምዝኾነት ጸብጻባት የመልክቱ።