plane crash

Nepal passenger plane crash kills all 23 on board

Nepal passenger plane crash kills all 23 on board

ኣብ ኔፓል፡ 21 ገያሾ ኣሳፊራ ዝሓለፈ
ረቡዕ ዝበረረት ነፋሪት ከምዝተሰወረት
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ውሽጣዊ በረራ ንምክያድ
ካብ ምዕራባዊ ሸነኽ’ታ ሃገር ምስ ነቐለት’ያ
ድሕሪ ሸሞንተ ደቓይቕ ናይ ረድዮ
ርክብ ኣቋሪጻ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ
ኣኽራናት ወዲቓ ከይትህሉ ንምፍታሽ
ከኣ ሄለኮፕተራት ናብቲ ከባቢ ተዋፊረን
ኣለዋ።
ናብ እምባ ኤቨረስት ንምሕኳር ብዙሓት በጻሕቲ ከምዝውሕዙዋ
ዝንገረላ ኔፓል፡ ሓንቲ
ካብተን ሓደጋታት ነፋሪት
ብብዝሒ ዝረኣየለን ሃገራት
ዓለም ከምዝኾነት’ዮም
ጸብጻባት ዘመልክቱ።
ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ
ሓደጋታት ድማ መንገዲ
ኣየራት ናይ’ታ ሃገር ብቕዓትን ተመኩሮን
ዘይብሎም ኣብረርቲ ነፋሪት ስለ ዝቖጽራ፡
ኣብ ርእሲኡ ድማ ድኹም ምሕደራ ስለ
ዝኽተላ ምዃኑ እቶም ጸብጻባት ወሲኾም
የረድኡ። በዚ ምኽንያት፡ ሕብረት ኤውሮጳ
ኩለን ነፈርቲ ኔፓል ናብ ኤውሮጳ ከይኣትዋ
ኣብ 2013 ከምዝኣገደ ይግለጽ።