Effects of Cell Phone

Negative Effects of Cell Phone Radiation On Your Skin

Negative Effects of Cell Phone Radiation On Your Skin

ተንቀሳቓሲ ቴለፎን (ሞባይል) ብብዝሒ
ዝጥቀሙ ሰባት ብመንሽሮ ሓንጎል ክጥቅዑ
ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ምዃኑ
ተመራመርቲ ፈረንሳ ኣጠንቂቖም።
ብመሰረት’ቲ “ኦኩፔሽናል ኤንድ
ኤንቫይሮንመንታል መዲሲን” ኣብ
ዝተባህለ መጽሔት ብሪጣንያ ዝሰፈረ
መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሰባት ንተንቀሳቐስቲ
ቴለፎናቶም ወርሓዊ ካብ 15 ሰዓታት
ንላዕሊ ምስ ዝጥቀሙለን ሕማም መንሽሮ
ኣእምሮ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም
ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ምዃኑ እቶም
ሊቃዉንቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
እዚ ከኣ ነቲ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር
መንሽሮ ምጥቃም ተንቀሳቓሲ ቴለፎን
ጎድናዊ ጥዕናዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ
ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ 2011 ዝዘርግሖ
መጽናዕታዊ ጸብጻብ ዝያዳ ዘራጉድ ኮይኑ
ከምዘሎ እቲ ጽሑፍ ወሲኹ የመልክት።
እቶም ተመራመርቲ ከምዝጠቕስዎ፡
ተንቀሳቐስቲ ቴለፎናት እቲ ብመልክዕ
ማዕበላት ሬድዮ ዝተፍእኦ ጸርገ-ንጡፍ
ባእታ’ዩ ኣብ ሓንጎል ተጠቃሚአን መንሽሮ
ዘስዕብ ከርሲኖጅን (carcinogen) ዝተባህለ
ሳብስታንስ ዝፈጥር። እዚ ሳብስታንስ’ዚ
ከኣ መወዳእታኡ ‘glioma’ ከምኡ ድማ
‘meningioma’ ዝተባህሉ ክልተ ጥረታት
መንሽሮ ኣብ ሓንጎል ከምዘማዕብል እቶም
ክኢላታት የረድኡ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ብዘይካ’ዚ፡ ዕድሚኦም
20 ዓመት ከየእከሉ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን
ብብዝሒ ዝጥቀሙ መንእሰያትን ህጻናትን
በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም
ልዕሊ ናይ’ቶም ዓበይቲ ሰባት ኣዝዩ ዝለዓለ
ከምዝኾነ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ክኢላታት ናይ’ቲ ዓውዲ ኣብ
ጥዕናዊ ሳዕቤን ተንቀሳቐስቲ ቴለፎናት
ኣመልኪቶም ሓያለ መጽናዕቲታት’ኳከካይዱ እንተጸንሑ፡ ኣብ ሓደ መረዳእታን
መደምደምታን ግን ክበጽሑ ኣይከኣሉን
ዘለዉ – ብመሰረት ዝተፈላለዩ ጸብጻባት።