Narrowest Home

Narrowest Home Worth $3.25 Million – Business

Narrowest Home Worth $3.25 Million – Business

እዛ 90 ሜትሮ ኳድሮ ጥራይ ስፍሓት
ዘለዋ ገዛ፡ እቲ ዝገፍሐ ጎድና ክልተ
ሜትሮን ፈረቓን ጥራይ እዩ።
እንተኾነ፡ እታ ገዛ ኤድና ሰይንት ቪንሰንት
ሚለይ ዝተባህለት ውርይቲ ገጣሚት
ነታ “Ballad of the Harp-Weaver”
ዘርእስታ ውርይቲ ግጥማ ኣብ 1923-
1924 ኣብ መንቀራቕሮ ናይዛ ገዛ’ዚኣ
ኮይና ስለዝገጠመት፡ እታ ገዛ ታሪኻዊት
ስለዝተባህለት እዩ ብኽንድ’ዚ ዝኣክል ዋጋ
ክትሽየጥ ዝኸኣለት። ብዙሓት ናይ ፊልም
ተዋሳእቲ እውን በጺሖምዋ እዮም። መዓስ
እዚ ጥራይ፡ ኣብታ ገዛ ውርይቲ ናይ ስነጥንቲ ተመራማሪት እያ ክትነብር ጸኒሓ።
ኣብ 1994 ግን ሓደ ቅርስታት ዝዕቅብሰብ ነታ ገዛ ብ270 ሽሕ ዶላር ገዚኡ፡ ኣብ
2000 ብ1.6 ሚልዮን ዶላር ሸይጥዋ።
እቲ ገዝኣይ እውን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት
ብ2.175 ሚልዮን ዶላር ሸይጥዋ። እንሆ
ከኣ ሎሚ ጆርጅ ጋንድ ዝተባህለ ሰብ
ብሰለስተ ሚልዮን ዶላር ገዚእዋ።
እዛ ሰለስተ መደቀስ ክፍልታት ዘለዋ ገዛ
ኣብ 1873 እያ ተሃኒጻ። ብምንኣሳ ዘይኮነ
ድማ ዝያዳ ብምጽባባ እያ እትፍለጥ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ፖስት ንብዙሓት
ወሃብቲ ርእይቶ ጠቒሱ ከምዝገለጾ፡
ቅርስታት ብባህርይኡ ክቡር እኳ እንተኾነ፡
ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኣብ ሃገራት ምዕራብ
ስም ንምትራፍ ብዝመበግሲኡ ሸብዳዕዳዕ፡
ንነገራት ልዕሊ ዓቐን ይኸፍሉ ምህላዎም
ኣረዲኡ።