neighbour

Mum branded neighbour from hell hits back

Mum branded neighbour from hell’ hits back

ወይዘሪት በንትሊ እያ እትበሃል። እዛ ኣብ ከተማ ዮርሻየር እትቕመጥ ጓል 41
ሰበይቲ፡ ንጐረባብታ ብምርባሽ ከም እትፍለጥ እዩ ዝንገር። ንሳ ቅድሚ ሰለስተ
ኣዋርሕ ካብ’ቲ ኣቐዲማ ተኻርያ ክትቅመጠሉ ዝጸንሐት ገዛ ብቤት ፍርዲ ከም
ትወጽእ ተገይሩ ነይሩ። ንሳ ኣብቲ ገዛ ብዘስዓበቶ ዕንወት 25 ሽሕ ፓውንድ
ክትከፍል ከም ዝተወሰነላ እውን ይሕበር።
ወይዘሪት በንትሊ፡ ካብ ጌጋኣ “ተኣሪመ’የ” ብምባል፡ ኣብ ካልእ ቦታ ገዛ ተኻረየት።
እንተዀነ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ’ቲ ገዛ ዝተኻረየትሉ ጐደና
ዝነብሩ ስድራቤታት፡ ገሊኦም ካልእ ዝካረ ገዛ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ
ገዛውቶም ብምሻጥ በብሓደ ካብ’ቲ ከባቢ ናብ ካልእ ምግዓዞም እዩ ዝንገር።
ነበርቲ’ቲ ከባቢ ከም ዝሕብሩዎ፡ ካብ ገዛ ወይዘሪት በንትሊ ምሸት ምሸት ብርቱዕ
ሙዚቃ፡ ዋዕዋዕን ጭደራን ከም ዝወጽእን ብብዝሒ ሰባት ናብ’ቲ ገዛ ኣብ ግዜ
ለይቲ ከም ዝመላለሱን እዩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ዝበዝሑ ስድራቤታት ልዋም ድቃስ
ለይቲ ብምስኣኖም ኣብ
ዕለታዊ ናብራኦም ጸገም
ይፈጥረሎም ምህላዉ
ይገልጹ።
ወይዘሪት በንትሊ፡
ዋና ገዝኣ ነበር ገዝኡ
ገዲፋትሉ ክትወጽእ
ንቤት ፍርዲ ጥርዓን
ድሕሪ ምቕራቡ፡ ንሳ
እቲ ለይቲ ዘጋጥም
ዋዕዋዕ፡ ዋና ገዛ ነቲ ንሳ
እትነብረሉ ገዛ መፍትሕ
ስለ ዘይገበረሉ፡ ናብኣ
መጺኦም ብዝርብሹዋን
ዘዋርዱዋን ሓለፍቲ
መንገዲ ዝተፈጥረ
ምዃኑ እያ ኣብ ዝሃበቶ
ቃል ገሊጻ።