back from dead

Mother-of-two back from dead after 42 MINUTES

Mother-of-two back from dead after 42 MINUTES

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኣደ
ብዘጋጠማ ሓያል ወቕዒ ልቢ
ድሕሪ 42 ደቓይቕ ካብ ሞት
ተበራቢራ። እታ ቨነዛ ተናዚዮ
ዝተባህለት ጓል 41 ዓመት ሰበይቲ፡
ሓደ ካብ ዓበይቲ ሻምብቆታት
ደም ናይ ልባ ምሉእ ብምሉእ
ድሕሪ ምዕባሱ’ያ ‘ሞይታ’ ተባሂላ
ብሓካይም ተሓቢሩ።
ስድራ-ቤታ’ውን ንሓቅነት’ቲ
መርድእ ንምርግጋጽ ኣካላታ
ብደቂቕ ዳህሲሶሞ። ምስትንፋስ
ኣቋሪጻ ጥራይ ዘይኮነ ኣካላታ’ውን
ዝሒሉ ምንባሩ ከኣ ኣረጋጊጾም።
እንተኾነ እታ ኣደ ክልተ ቈልዑ
ክትግነዝ ኣብ ዝተቐረበትሉ እዋን
ብሃንደበት ተበራቢራ። “ንሕና፡
ሞይታ ከተብቅዕ ዳግማይ ብተኣምራት
ከምዝተንሰአት ኢና እንኣምን። ኣዝዩ
ተኣምር ነገር’ዩ! ብስነ-ፍልጠታዊ
መገዲ ፈጺምካ ክትትንትኖ
ዘይትኽእል ተኣምር!” ይብል
ሓደ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል
ሜልቦርን ኣቐዲሞም ሙማታ
ዘረጋገጹ ሓካይም።