SPONGES

Mother, 36, has an addiction to eating SPONGES every day

Mother, 36, has an addiction to eating SPONGES every day

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ‘ካንዲስ ኖክስ’ ፍሉይ
ባህርያት ዝተዓደለት ሰብ እያ። ጓል 36
ዓመት ኖክስ፡ ዘይከም ንቡር ሰብ ብእትበልዖ
መግቢ ዕግበት ኣይስመዓን እዩ። ምኽንያቱ
ፍሉይ ናይ ምብላዕ ወልፊ ስለ ዘማዕበለት።
“ካብ መግቢ ንላዕሊ ክበልዖ ዝደሊ ነገር
ኣሎ” ትብል ካንዲስ ኖክስ። “ስለዚ’የ ድማ
ኣብ ቦርሳይ ሒዘዮ ንስራሕ ዝወፍር”
ብምባል ንጋዜጠኛታት
ሓቢራ። ኣብዚ ስእሊ ከም
እንዕዘባ፡ ሒዛቶ ዘላ ሰፍነግ
(ስፖንጅ) ንመጽረጊ
ዘይኮነ ንኽትበልዖ ኢላ’ያ
ገዚኣቶ። ወትሩ ድማ ኣብ
ቦርሳኣ ሒዛቶ ትኸይድ።
ጉዳም ወልፊ ኮይኑዋ፡
መዓልታዊ ሰፍነግ ምስ
ዘይትበልዕ ሕማቕ ከም
እትውዕል ትገልጽ።
ሰፍነግ ክትበልዕ ዝረኣዩዋ
መሳርሕታ፡ ፈለማ
ይስንብዱ’ኳ እንተነበሩ፡
ድሕሪ ግዜ ግን ከም
ዝለመዱዋ ሓቢራ።
ካብ ምሒር
ወልፊ ምብላዕ ሰፍነግ
ዝተላዕለ፡ “ብተለቪዥን
እንተረኣኹዎ’ኳ ምራቐይ
ይምንጩ’ዩ” ዝበለት
ኖክስ፡ ነቲ ቈልዓ እንከላ
ዝጀመረቶ ሰፍነግ ናይ
ተወሳኺ
ምብላዕ ልምዲ ክትገድፎ፡ ብሓካይምን
ስድራኣን ንዝቐርበላ ተደጋጋሚ ማዕዳ፡ ኣብ
ግብሪ ከተውዕሎ ከም ዘጸገማ ተረድእ።
“ብፍላይ ኣብ ማይ ኣሊኸ ክበልዖ እንከለኹ፡
ኣዝዩ ደስ ይብለኒ” ትብል ንሳ። ፍሉይ
ጣዕሚ ከም ዘይብሉ – እቲ ባህ ዝብላ ግዳ፡
ክትሕይኾ እንከላ ዘሎ ጨናኡ ምዃኑ
ድማ እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ትገልጽ።