Important Life Lessons

Most Important Life Lessons to Learn While

Most Important Life Lessons to Learn While

ተማሃሪት’የ። ኣዝየ ዘፍቅሮን ዘፍቅረንን ዓርኪ ኣለኒ። ብልቢ ትፋቐርን ትተኣማመንን እንተ ዄንካ፡ ቅድሚ መርዓ ጥንሲ እናተኸላኸልካ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም እንታይ ጸገምኣለዎ። ትዕግስቲ – ካብ ኣስመራ ቅድሚ ሕጂ ርክብ ዘይፈጸምኪ እንተ ዄንኪ፡ ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ተጠንቀቒ። ፈጺምኪዮ እንተ ዄንኪ ድማ ኣቋርጽዮ። ቅድሚ መርዓ ዝግበር ርክብ ኣብ ገዛእ ነብስኺ ዘለኪ ክብረት ከጉድለልኪ’ዩ። ምሉእነት ከም ዘይብልኪ ኰይኑ ክስመዓኪ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ኩሎም ጥንሲ ናይ ምክልኻል ሜላታት፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውሑሳት ኣይኰኑን። እቲ ዝኸፍአ ሸነኹ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ሕማማት መውስቦ ምህላዎም’ዩ። ወላ’ውን ፍቑራት ኩኑ፡ ኣብ ነናይ ብሕትኹም ናብራ ዘለኹም ኢኹም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓድሕድኩም እምነት እተሕድሩሉ እዋን ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ እቲ ካብ ሓድሕድኩም ዝለመድኩሞ ርክብ፡ ኣብ ካልእ እዋን ካብ ካልኦት ከም እትደልይዎ ኣይትስሓቲ። ኣብ መንጎኹም ኣሎ ትብልዮ ዘለኺ እምነት፡ ካብ ሕማም ክከላኸለልኩም ኣይክእልን’ዩ። ብዓንዳ ርእሱ’ውን ትተኣማመኑ እንተ ዄንኩም ካብ ስጋዊ ርክብ ተሓሪምኩም ክትጸባበዩ’ዩ ዝግበኣኩም። ኣፍቃሪኺ ክብርኺ ክሕልወልኪ ይግባእ። ቅድሚ መርዓ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓሸውየ እንተ ኣቲኺግን፡ ኣብ ጣዕሳ ክትሽመሚ ኢኺ።