important advice

Most important advice to give a person about life

Most important advice to give a person about life

ወዲ 19 ዓመት እየ ካብ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ምሸት ምሸት ዘርኢ ይፈሰኒ። ምስ ጓል እንተቐሪበ ግድን ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ይፈስስ። እዚ ኩነታት ጭንቀት ይፈጥረለይ ኣሎ። ኣብ ውላድ ጸገም የምጸኣለይዶ? ኣብ ደብዳበኻ ዝገለጽካዮ ካልኣይ ነጥቢ ካብ ስነ ምግባር ወጻእን ነውርን ስለዝዀነ፡ ኣብዚ ክጸሓፍ ኣይገበኦን። ንዓኻ እውን ኣብ ሓደጋ ከእትወካ ስለ ዝኽእል እቲ ዘይንቡር ጾታዊ ስምዒት ዘበጋግስ ክልተ ጠንቅታት ባዕልኻ ክትገድፎ ኣለካ። ብሓፈሻ ንምንታይ ዘርእኻ ይፈስስ ባዕልኻ እውን ተረዲእካዮ ኣለኻ። ናብ ጓል ምቕራብ ዘርእኻ ከምዝፈስስ ኣይገብርን። እቲ ዘርእኻ ክፈስስ ዝገብሮ ዘሎ ናብታ ጓል ዘለካ ኣጠማምታ እዩ። ጓል በብዝረኣኻ ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ስእልታት እንድሕር ኣብ ልብኻ ትቐርጽ ኴንካ፡ ዘርእኻ እንተፈሰሰ እንታይ ዘገርም ኣለዎ። ብቐዳምነት ልብኻን ሓሳባትካን ኣብ ዘይቦታኡ ካብ ዝሰኣለካ ናይ ጾታ ስምዒት ኣንጸሃዮ። ስምዒትካ ክበጋገስ ትገብር ዘለኻ ባዕልኻ ስለ ዝዀንካ፡ እቲ ልምዲ ባዕልኻ ኢኻ ክትገድፎ ትኽእል። ንሰብ ብንጹህ ኣእምሮ ክትቀርቦ እንድሕር ዘጸግመካ ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ስነ ኣእምሮ ሆስፒታል ኬድካ ምስ ክኢላ በዓል ሞያ ክትላዘብ ነዘኻኽረካ።
ኤች. ቲ ካብ ማይ ተመናይ