α-ketoamide

Middle East respiratory syndrome coronavirus α-ketoamide

Middle East respiratory syndrome coronavirus α-ketoamide

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ለካቲት 26 ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ከተማ ዉሃን – ቻይና መጀመርያ ዝተራእየ ‘ኖቨል ኮሮናቫይረስ’፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2019 ኣትሒዙ ብዓለምለኸ ደረጃ ንልዕሊ 81 ሽሕ ሰባት ክልብድ እንከሎ፡ ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 2,700 ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ እዩ ዝሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ መጽሔት ‘ጆርናል ኦፍ መዲካል ከሚስትሪ’ ኣብ ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ተመራመርቲ ንዅሎም ብኮሮናቫይረስ ዝስኽሰቱ ሕማማት ከወግድ ዝኽእል ሜላ ፍወሳ ኣብ ቤተ-ምኮራ (laboratory) ፈቲኖም እወታዊ ውጽኢት ከም ዝረኸቡሉ ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ኣብ ዉሃን ዝተራእየ ኮሮናቫይረስ (COVID-19 ወይ SARS-CoV-2 ወይ 2019-nCoV)፡ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተራእዩ ተመሳሰልቲ ብእስትንፋስ ዝመሓላለፉ ከም ኣብ 2003 ዝተራእየ SARS-CoV-1 (severe acute respiratory syndrome – SARS) ን ኣብ 2012 ዝተኸስተ Middle-East respiratory disease virus (MERSCoV)ን ዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት ተመሳሳሊ እዩ። ኩሎም እዞም ቫይረሳት ኣብ ግዳያቶም ከም ናይ ጉንፋዕ ዝመስል ምልክታት ዘርእዩ ኰይኖም፡ ኣብ ገለ ድማ ኒሞንያ የማዕብሉ። እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ሕማም ከጥፍእ ዝኽእል ኣገባብ ፍወሳ ኣይማዕበለን ጸኒሑ። እዚ ከኣ ብቐንዱ እቶም ሕማማት ኣብ ዝተኸስቱሉ እዋን ክሳብ ክንዲ’ቲ ኣስጋኢ ዝዀነ ዝርግሐ ስለ ዘይነበሮም፡ መድሃኒት ዘፍርያ ትካላት ክጸቕጣሉ ኣይተራእያን። ሆንግ ሊዩ ከምኡ’ውን ሮልፍ ሂልገንፈልድ ዝተባህሉ ተመራመርቲ ምስ መሳርሕቶም ብምዃን፡ ንኮሮናቫይረስ ከምኡ’ውን ኤንተሮቫይረስ ዒላማ ዝገብሩ ካብ ኣዝዮም ብዙሓት ዓይነታት ጸረ-ቫይረስ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ። እዞም ናይ ኮሮናቫይረስ ዓይነታት ቫይረስ ተመሳሳሊ ንፕሮቲን ዝሰብር ‘መይን ፕሮቲዝ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነዝዒ ክህልዎም እንከሎ፡ ኣብ ኤንተሮ ቫይረስ ግን፡ ‘3C ፕሮቲዝ’ ዝተባህሉ ኣብ ምርባሕ ቫይረስ ቀንዲ ኣድለይቲ ዝዀኑ ነዝዒታት እዮም። እቶም ተመራመርቲ፡ እቶም ፕሮቲዝ ዘለዎም ክሪስታላዊ ቅርጺታት ብመንገዲ ኤክስ-ረይ ኣቢሎም ድሕሪ ምጽናዕ፡ ‘α-ketoamide’ ዝተባህሉ ኮምፓውንድታት እዮም ሰሪሖም። እዚ ኮምፓውንድ’ዚ፡ ነቶም ኤንዛይማት ኣብ ስርሖም ጣልቃ ብምእታው ደው የብሎም ማለት እዩ። ነቶም ሞለኩላት ኣብ ናይ ፈተነ ቱቦታት ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ፐትሪ ሸሓኒ (petri dish) ዝተዓቀቡ ዋህዮታት ደቂ-ሰብ ብምፍታን፡ ኣየናይ ዓይነት ኮምፓውንድ እዩ ነቶም ቫይረሳት ካብ ምርባሕ ደው ዘብሎም ከለልዩ ክኢሎም። በዚ ድማ ሓደ ካብቶም ኮምፓውንድ ንSARSCoV-1 ዝጻረር ክኸውን እንከሎ፡ ካልእ ኮምፓውንድ ድማ ኣንጻር MERSCoV ሓያል ተጻብኦ ከርኢ ክኢሉ። ኣብ ኖቨል ኮሮናቫይረስ (COVID-19) ዘሎ ፕሮቲዝ ምስ ናይ’ዞም ክልተ ተመሳሳሊ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዓይነት ቫይረስ ተቓውሞ ከርኢ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘለዎ እዮም እቶም ተመራመርቲ ዝሕብሩ። እቶም ተመራመርቲ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መጽናዕቲታት ገና ቀጻሊ ምዃኑ፡ ካብኡ ቀጺሎም ድማ ነቲ ዝረኸብዎ ውጽኢታት ኣብ ንኣሽቱ እንስሳታት ክፍትንዎ ምዃኖም ገሊጾም።