kidney

Man rekindles love after donating her a kidney

Man rekindles love after donating her a kidney

ጎርዶን ሀንሪ ዝተባህለ ወዲ 53 ዓመት ብሪጣንያዊ ሰብኣይ፡ ምስታ ካብኡ ብትሽዓተ ዓመታት እትንእስ ጆ ማክፈላነ ዝተባህለት ኣፍቃሪቱ ነበር ቅድሚ 20 ዓመታት’ዩ ተፈላልዩ። ጆርዳን ዝባሃል ቈልዓ ምስ ወለዱ ድማ’ዮም ክሳነዩ ከምዘይክእሉ ኣሚኖም ብወግዒ ክፈላለዩ ዝመረጹ። ካብቲ እዋን’ቲ ንደሓር ሀንሪ ንበይኑ ኣብ ካልእ ከተማ፡ ማክፈላነ ድማ ምስ ወዳ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ክነብሩ ጸኒሖም። እንተኾነ ሀንሪ ኣፍቃሪቱ ነበር ብሕማም ኩሊት ትሳቐ ምህላዋ ምስ ሰምዐ፡ ‘ምሕረት ይኣዝዘላ! ክሓልፋ ኣይመረጸን። ሓንቲ ካብ ኩሊቱ መጥዩ ህይወታ ከድሕናን ብኡ ኣቢሉ ፍቕሩ ከሐድስን’ዩ ወሲኑ። ኮይኑ ድማ ናብቲ ተዓቚባትሉ ዝነበረት ሆስፒታል ብምምራሕ መርመራ ኣካየደ። ዓይነት ኩሊቱ ብልክዕ ንዓኣ ትሰማማዕ ኮይና ምስተረኽበት ከኣ፡ ብመጥባሕቲ በጥቊሉ “ንሓላልኪ” ኢሉዋ። ብድሕሪ’ዚ እታ ኣብ ዓራት ተጋዲማ ንሞት ትሰሓግ ዝነበረት ኣፍቃሪቱ ነበር ህይወት ዘሪኣ ብክምስታ ሓቚፋ ክትስዕሞ ተራእያ። “እዚ ካብ ልበይ ዘውጻእክዎ ሀንሪ ንህይወተይን ህይወት ወደይን ከድሕን ኢሉ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምቲ ወሲዱ።” ትብል ማክፈላነ።
’ ኢሉ ጥራይ