Happier

Make Yourself Happier in the Next 5 Minutes

Make Yourself Happier in the Next 5 Minutes

ወዲ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ
ሕጉስ ምስ ዝኸውን፡ ወላ ንጥዕናኡ
ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።
ኣብ ሂወትካ ሕጉስ ክትከውን
ክትገብሮም ዘለካ ነገራት፡-
• ክትገብሮ ዝግብኣካ ብሰንኪ ፍርሒ
ንዘቋረጽካዮ ነገር ክትብድሆ ፈትን።
ምኽንያቱ ፍርሒ ዕንቅፋት ናይ ሓጎስን
ዓወትን ስለ ዝኾነ።
• ብዛዕባኻ ንዝዛረቡ ሰባት ዕድል
ኣይትሃቦም፡ ሰብ ብዝህበካ ሕማቕ ፍርዲ
ወይ ብዛዕባኻ ብዝዛረቦ ሕማቕ ነገር
ከይተጨነቕካ፡ ነቲ ዘለካ ግዜ ከመይ ጌርካ
ሕጉስ ኮይንካ ተሕልፎ ጥራይ ሕሰብ።
• ኣብ ጉዕዞኻ ንዝሰራሕካዮ ዘበለ ናይ
ኩሉ ሰብ ደገፍ ኣይትጸበየሉ። ኣብ ዓለም
እቲ ምሉእ ብሙሉእ ክድግፈካ ዝኽእል
ሰብ ውሑድ ስለ ዝኾነ፡ ምሉእነት
ኣይትጽበ።
• ንዓኻ ብውሽጥኻ ከሕጉሰካ ዝኽእል
እምበኣር፡ ሰብ ብደገኻ ክሪእየልካ ኢልካ
ዘይምጽዓር’ዩ።
• ንዕላማኻ ሓላፍነት ወሲድካ
ጸዓረሉ።
• ብናይ ትማሊ ዝሓለፈ ሽግር
ኣይትጨነቕ፣ ሂወት ብዙሕ ምዕራፋት
እዩ ዘለዋ’ሞ፡ ሓደ ምዕራፍ ተወዲኡ
ማለት ሂወት ኣብቂዑ ኣይኮነን። ስለዚ
ናይ ዝሓለፈ ረሲዕካ ብዛዕባ መጻኢ
ጥራይ ሕሰብ።
• ነቲ እትደልዮ ነገር ክትረክብ ኩሉ
ግዜ ዕጉስ ኩን፣ ኣብ ግዚኡን ሰዓቱን
ክመጸካ እዩ።
• ሂወትካ ሰብ ክመርሓልካ ኣይትጸበ፡
ንዝመጸካ ዘበለ ብድሆታት ባዕልኻ
ግጠሞ።
• ንዝበደሉኻ ኩሉ ግዜ ይቕረ
ግበረሎም፣ ቂምታ ወይ ኩራ መንገዲ
ሓጎስ ኣይኮነን፣ ስለዚ ሕያውነትካ ከም
ዕሽነት ክትቆጽሮ የብልካን።
• ንሰብ ንምሕጋዝ ኩሉ ግዜ ድሉው
ኩን።
• በቲ ዘለኻዮ ወይ ዝኾንካዮ ዕጉብ
ኩን። ንዘለካ ግዜ ብጽቡቕ ኣስተማቕሮ፣
ንልዕሌኻ ዘሎ ክትርኢ ግዜኻ
ኣይተባኽን። ሓጎስ ነቶም ብዘለዎም
ዘይዓግቡ ሰባት ፈጺማ ኣይትመጾምን
እያ። ኩሉ እትደልዮ ዘበለ ክትረክብ ከኣ
ኣይትሕሰብ።
ንግሆ ምትንሳእ፡ ስፖርት ምስራሕ፡ . .
. እውን መዓልታዊ ሂወትካ ሕጉስ ኴንካ
ክትነብር ትኽእል።