Love

Love| ሓፍቲ ትኽ ትንፋስ ዓርከይ ኣፍቂረ

Love| ሓፍቲ ትኽ ትንፋስ ዓርከይ ኣፍቂረ

ኣብ መፋርቕ 19 ዓመት ዝርከብ
መንእሰይ እየ። ልክዕ ከም ነብሰይ ዝርእዮን
ጸገመይ ዘካፍሎን ንነዊሕ ዓመት ብሓባር
ዝጸናሕና ዓርኪ ኣለኒ። ሕጂ ግን ጸገም
ረኺበ ኣለኹ። ንሓፍቱ ብኹለንትናኣ
ፈትየያ። ግና ነቲ ዝዀነ ምስጢር
ዘይሓብኣሉ ዓርከይ ክነግሮ ኣይደፈርኩን።
ብኸመይ ክነግሮ እኽእል እባ ሓብሩኒ።
M.T.A. ንዓርክኻ እንታይ ኢኻ ክትብሎ ደሊኻ?
ንበል እስከ “ንሓፍትኻ ኣፍቂረያ ኣለኹ”
ክትብሎ ኢኻ። ድሕሪኡኸ? ዓርክኻ –
ሓፍቱ ኣብ ሓዳርን ቃል ኪዳንን ክትበጽሕ
ከም ዝደልያ ኣይትዘንግዕ። ወላ’ኳ ከም’ቲ
ዝበልካና፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽ እንተ
ዀንኩም፡ ምስ ሓፍቱ ዝያዳኻ ናይ
ስጋ ምትእስሳርን ሕውነትን ከም ዘለዎ
ኣይትዘንግዕ። ምናልባት ንሓዳር ትደልያ
እንተ ዄንካ፡ ስድራኻ
ኣፍሊጥካ ብኽብሪ
ብሽማግለ ክትሓትት
ትኽእል ኢኻ። ከምኡ
ምስ እትገብር፡ ምስ
ዓርክኻ ዘለኩም ጽቡቕ
ርክብ፡ ብኣሉታ ክጽሎ
ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ
ክኸውን ይክእል እዩ።
ብዘይ ዝዀነ ዕላማ
“ኣፍቂረያ ኣለኹ’ሞ
ከዛውራ ኣፍቅደለይ”
ክትብሎ እንተ ዄንካ
ግን፡ “ንዓ ንከራፈስ”
ትብሎ ከም ዘለኻ
ኰይኑ እዩ ዝስመዓና።
ንዓርክኻን ንዓኣን
ንሓዋሩ ክትስእኖም
ኢኻ።