Lottery winning husband leaves wife

Lottery winning husband leaves wife ሎተሪ ከም ዝተዓወተ ንሰበይቱ ከይነገረ ካብ ገዛኡን ስርሑን ዝተሰወረ ሰብኣይ

Lottery winning husband leaves wife ሎተሪ ከም ዝተዓወተ ንሰበይቱ ከይነገረ ካብ ገዛኡን ስርሑን ዝተሰወረ ሰብኣይ

ኣብ 2007 ዳና ካምፕቤል ዝተባህለት
ሰበይቲ፡ ኣርኒም ራምዳስ ዝተባህለ
ሰብኣያ ቴለቭዢን ከጥፍእን ናይ ተለፎን
መስመር ክበትኽ ምስ ኣስተውዓለትሉዘ ይ ት ፈ ል ጦ
ጣቋ ከምዘለዎ
ክ ት ጥ ር ጥ ሮ
ጀ መ ረ ት ።
ጥርጣረኣ እናበረኸ
ምስ ከደ ከኣ ብዛዕባ
ዕድጊ ገዛ ዝገልጽ
ሓድሽ ካርተሊና
ረኣየትሉ። ይኹን
እምበር ወ/ሮ
ካምፕቤል፡ ሰብኣያ
ናይ 10.2 ሚልዮን
ዶላር ሎተሪ ምዕዋቱ ኣብ መርበብ
ሓበሬታ ‘ጎግል’ ክሳብ ትረኽቦ ክንድዚ
ዝኣክል ምስጢር ከም ዝሓብኣላ ኣፍልጦ
ኣይነበራን። ድሕሪ ዘካየደቶ ተፍትሽ
ግን 17 ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር
10.2 ሚልዮን ዶላር ከም እተዓወቱ
ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ፍሎሪዳ ናይ
ሎተሪ ሕትመት ክትርዳእ በቕዐት።
ሰብኣያ ከኣ ሓደ ካብቶም ተዓወቲ’ዩ
ነይሩ። እዞም 17 ዕውታት መሳርሕቲ
ቅድሚ ግብሪ ምኽፋሎም ነብሲ ወከፎም
ኣስታት 600.000 ዶላር ክበጽሖም’ዩ
ማለት’ዩ። ራምዳስ እምበኣር ድሕሪ’ቲ
ዜና፡ ዓመታዊ ዕረፍቲ ሓቲቱ ካብ ስራሕ
ከብኩር’ዩ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ውን
ኣይተመልሰን። ሰበይቱ ነዚ ምስ ፈለጠት
ካብቲ ገንዘብ ፍርቂ ክትምቀል ክሲ
መስሪታ መጸዋዕታ’ኳ እንተሰደደትሉ፡
እቶም መጸዋዕታ ሒዞም ዝተላእኩ ሰባት
ግን ንኣራምዳስ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን።