Liberia's education

Liberia’s education| ላይበርያ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና ብምሉኦም ተመሃሮ ይተርፉ

Liberia’s education| ላይበርያ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና ብምሉኦም ተመሃሮ ይተርፉ

ኣብ ላይበርያ ሎሚ ዓመት ናብ
ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ሃገራዊ ፈተና ዝወሰዱ
ተመሃሮ 12 ክፍሊ ብምሉኦም ተሪፎም።
ኣብቲ ሃገራዊ ፈተና ዝተሳተፉ 25 ሽሕ
ተመሃሮ’ዮም ነይሮም። እንተኾነ ዋላ
ሓደ’ውን እንተኾነ ናብ ዩኒቨርሲቲ
ዘእቱ ውጽኢት ዘይምርካቡ ሰበ-ስልጣን
ትምህርቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ድሕር’ቲ ዘይዕዉት ውጽኢት
ተመሃሮ፡ ዩኒቨርሲቲ ላይበርያ፡
ሎምዘበን ናይ ቀዳማይ ዓመት ክፍሊ
ከምዘይከፍትን ነቶም ኣቐዲሞም
ዝኣተዉ ተመሃሮ ጥራይ ከምዝምህርን
ገሊጹ።
ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኢለን ጆንሰን
ሰርሊፍ፡ ኣብታ ሃገር ጽፉፍን ብቑዕን
ትምህርታዊ ስርዓት ከምዘየለ’ያ ትእመን።
ይኹን’ምበር ብምሉኦም ተመሃሮ 12
ክፍሊ ምትራፎም ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ
ኣነጺራ። “ኣብ ኣተኣራርማ ጌጋታት
ከይህሉ፡ ንውጽኢት ገለ ተመሃሮ ባዕለይ
ከረጋግጽ ምደለኹ” ብምባል ድማ
ጥርጣረታታ ኣግሂዳ።
ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ላይበርያ
መሰረታዊ መምሃሪ ናውቲ ኮነ ብቑዓት መምህራን ዘይብለን ምዃነን ይጥቀስ።
ሚኒስተር ትምህርቲ’ታ ሃገር ንቢቢሲ
ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ኩሎም ተመሃሮ
ምትራፎም፡ ከም ጃምላዊ ቅትለት
ዝሕሰብ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ’ቲ
ኩነታት ንምዝርራብ ምስ ሓለፍቲ
ዩኒቨርሲቲ ሞንሮቭያ ከምእትዝቲ
ገሊጻ።
እንተኾነ ሓለፍቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፡
“ዝቕየር ውጽኢት ኣይክህሉን’ዩ”
ብምባል ኣብ ውሳነኦም ከምዝጸንዑ’ዮም
ዝሕብሩ። “ዝበዝሑ ተመሃሮ
ብፍላይ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣምር
ዘይብሎም‘ዮም፡ ስለዚ መንግስቲ ገለ
ክገብር ኣለዎ” ብምባል ድማ ኣፈኛ
ዩኒቨርሲቲ ሞንሮቭያ ንጋዜጠኛታት
ገሊጹ።
ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ላይበርያ ንነዊሕ
እዋን ብውግእ ሓድሕድ ዝትሓመሰት
ሃገር እያ። ብፍላይ ትምህርታዊ ጽላት’ታ
ሃገር ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃስየ
ይጥቀስ።