semhar yohannes

interview with semhar yohannes

interview with semhar yohannes

ምሃር ዮሃንስ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት መመሊሳ እናደመቐት ክትመጽእ ዝጸንሐት
ድምጻዊት’ያ። ካብ ሓድሕድ ዘይሰናነፍ ደርፊታት ብምፍራይ ከኣ፡ መመሊሳ ንእዝኒ
ሰማዕትን ተዓዘብትን ኣብ ምግዛእ ካብ ዝተዓወቱ ውሑዳት ደረፍቲ ኣብ ቅድሚት
ትስራዕ። ልዑል ብቕዓት ድምጺ ብፍላይ ኣብ መድረኽ ብቐጥታ ናይ ምጽዋት
ብቕዓት፡ ፍሉይ ምንቅስቓስን ድፍረትን ካብ ቀንዲ መለለዪኣ’ዩ።
ኣብ 1990 ኣብ ካምፖ ፖሊስ እምባጋልያኖ ዝተወልደት ሰምሃር፡ ኣብ ቤት
ትምህርቲታት መባእታ ደረጃ ሰሜናዊትን ፍረ ህይወትን፡ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ
ደረጃ እምባ ጠቐራ – ሓዝሓዝ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሓርነት
(ታይታኒክ) ትምህርታ ተኸታቲላ። ኣብ መበል 24 ዙር ናብ ሳዋ ወሪዳ ናይ 12 ክፍሊ
ትምህርታን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ፈጺማ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር
ተጠርኒፋ፡ ስነ ጥበባዊ ስራሓት ኣብ ምብርካት ትርከብ።
ሰምሃር፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብርክት ዝበለ ተሰማዒን ብሉጽን ደርፍታት ከም ኣሕልመኒ፡
ተበሪሁኒ’ሎ፡ ማናየ፡ ወዲ ምስሌነ፡ ሎምስ ፈሪሐ፡ ክስዕረካ’የ፡ ኣሎኒ፡ ዝያዳይን ካልእን
ብምድራፍ ኣብ ዲጂታላዊ ዕዳጋ ከም
ዩትዩብ ብሚልዮናት ዝቑጸር ምክትታል
ብምርካብ መወዳድርቲ የብላን። ኣብ
ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ምክትታል’ውን
ተመሳሳሊ’ዩ።
ሰምሃር ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስቲ
ህቡብ ድምጻዊ ኣቦኣ ዮሃንስ እስቲፋኖስን
ምስታ ሕጂ ኣሰሮም ስዒባ ትኹላዕ
ዘላ ንእሽቶ ሓብታ ድምጻዊት ዳናይት
ዮሃንስን ብምዃን፡ ኣልበምን ዲቪዲን
ኣብ ምድላው ትርከብ። ነዚ ሕታም
ጋሻና ብምዃን ኣዕሊላትና ኣላ። ሰናይ
ንባብ፥
መንእሰይ 41
ኣብ ስድራቤትኩም ብዘሎ ዝንባለ ስነጥበብ
ክንጅምር
ኣብ ስድራቤትና ዘሎ ናይ ስነጥበብ
ብፍላይ’ኳ ምስ ደርፍን ሙዚቃን ዘሎ
ምትእስሳር ይገርመካ’ዩ። ባባ ኣብ ግዜኡ
ልዑል ተቐባልነት ዝነበሮ ንፉዕ ደራፋይ’ዩ።
ንእሽቶ ሓብተይ ዳናዪት ከኣ፡ ስቕ ኢላ
ክትዕዘብ ጸኒሓ፡ ሕጂ ጀሚራቶ ኣላ። ኣብ
ሓጺር እዋን’ውን ዕዉትቲ ደራፊት ኰይና።
ክሳብ ቀረባ እዋን ናይ ኮለጅ ትምህርታ’ያ
ትከታተል ነይራ። ገና ካብ ኣጀማምራኣ
ኣትሒዛ ዘሐጐሰኒ ዓቕሚ ኣርእያትና ኣላ።
ክገርመካ ግን፡ ኣብ ገዛና ኣብቲ ዓውዲ ዘለና
ሰለስቴና ጥራይ ኣይኰናን። ኣብ ሽወደን
ዝቕመጥ ሄኖክ ሓወይ ክኢላ ኦርጋኒስት’ዩ።
ካልእ ቶማስ ዝበሃል ክራሪስት ሓወይ ኣሎ።
ምዕባዩ ራይሞክ ሓወይ ከኣ ኦርጋን ኣብ
ምምሃር ይርከብ። ካልእ እታ ቀንዲ ኣብ
ደርፊ ዝምባለ ዝነበራ ዓባይና’ያ። ምናልባት
ባባ ካብኣ ወሪስዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ግርም’ዩ ዝብለኒ – ትደርፈለይ ዝነበረት ባህላዊ
ደርፊታትን ዜማታትን ምሉእ ብምሉእ
ዘይሰነድኩዎ ኢለ ካብ ዘሕዝነኒ’ዩ። ቅድሚ
ቀረባ ኣዋርሕ’ያ ዓሪፋ። ኣደይ’ውን ዋላ’ኳ
ኣብ ምድራፍ ኣይትእቶ፡ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ
ኣብቲ ዓውዲ ተገዳስነት ዘለዋ’ያ። ካብ ኩልና
ዝገደደት’ያ። ደርፊ ‘ሳምፕል’ ምስ ሰራሕና
ንዓኣ ኢና ነስምዓ። ብፍቕሪ’ያ ትሰምዖ፡
‘ኣብዚኣ ከምዚ፡ ኣብቲኣ ከኣ. .’ ገለ እናበለት
ርእይቶታት ትህበና። ሞራልን ደገፍን ናታ
ከኣ ፍሉይ’ዩ።
ምናልባት ምስ ኣቦኺ ሓዳር ክምስርቱ
ዝገበሮም እዚ ተገዳስነታዶ ይኸውን?
ይኸውን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ተገዳስነታ
ክትርእዮ እንከለኻ ከምኡ ኰይኑ’ዩ
ዝስምዓካ። ባባን ማማን ከኣ፡ ብፍቕሪ
ዘይሮም ገለ’ዮም ተመርዕዮም።
ምስ ከምኡስ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡
ክሓታ’የ እስከ. . (ሰሓቕ)
እዚ ነገራት ካብ ቁልዕነትኪ
ኣብቲ ዓውዲ ክትነጥፊ ሓጊዙኪ
ይኸውንዶ?
ብኣንጻሩ እምበር። ኣነ ከም ቈልዓ
ኣዝየ ውዕይቲ፡ ኣብ ትምህርተይ
ንፍዕቲ፡ ምድራፍ ከኣ ማራ ዝፈቱ’የ
ነይረ። ግን ከኣ ብባባ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ክኣቱ
ዘይፍቀደለይ’የ ነይረ።
ስለምንታይ?
መጀመርታ ኣብ ትምህርተይ ክዕወት’ዩ
ዝደልየኒ ነይሩ። ምሉእ ድሌቱ ንሱ’ዩ
ነይሩ። ኣነ ግን ዋላ’ኳ ወግዓዊ ኣይኹን ካብ
ምድራፍ ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን’የ። ኣብ ቤት
ትምህርትና ንዝነበሩ ጉጅለ ባህሊ ብቕንኢ
ይርእዮም ነይረ። ‘እዚኣ ምደረፍኩዋ ጽቡቕ
መምጻእኩዋ’ ይብል ነይረ። ግን ይኽልከል
ነይረ። ደሓር ኣብ 11 ክፍሊ እናተማሃርኩ
እንከለኹ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲና ናይ 8
መጋቢት ምድላዋት ነይሩ ተሓቢአ ኣትየ።
ናብ ቤት ንባብ ኢለ ወጺአ ፕሮቫ ገይረ
ይምለስ። ደሓር ኣብቲ ኣብ እንዳ ስታዝ
በሽር ዝተኻየደ መደብ፡ ናይ ኣብርሀት ቺና
“ተፈታዊት ኣዴና ወርቂ ቢለን” ትብል
ደርፊ ደጊመያ። ጽቡቕ ሞራል ረኺበ።
ልዕሊ ኹሉ ማማ ኣብቲ ኣጋጣሚ መጺኣ
ስለዝነበረት፡ ርእያትኒ ተሓጒሳ። ደሓር ንባባ
‘ሰምሃር ከምዚ ኢላ ጽቡቕ ደሪፋ። ኩሉ ሰብ
ንፍዒቲ ኢሉዋ። ስለምንታይ ትኽልክላ’ ኢላ
ተዛሪባቶ። ሽዑኡ’ውን ፍቓደኛ ኣይኰነን።
መወዳእታኡ ግን ዳርጋ ብቤተሰብ ተለሚኑ
ዳርጋ ደሓን ኰይኑ። ዋላ እናተቛየቐ ክሰርሕ
ኣፍቂዱለይ። ደሓር ነዛ ‘ይቕረ በለለይ’ ትብል
ደርፊ ድማ ሰሪሑለይ። ቅድሚ ሳዋ ምኻደይ
ምስ ቪድዮ ክሊፓ ማለት’ዩ።
“ናብራይ ኰይኑ ከምቲ ዝረኣኻዮ
ውዕል ክልቴና ባዕለይ ኣፍሪሰዮ”
ብድሕር’ዚ ዳርጋ ናጻ ኰይነ ክነጥፍ
ጀሚረ። ኣብቲ እዋን ቀንዲ ዝፈትወን
ዝነበርኩ ናይ ሄለን ጳውሎስ ደርፍታት ነይረን
– ‘ሓንቲ’የ ካብቶም ደቅኺ’ ካልኣይቲ ድማ
‘ብመጠነ ፍትወትና’ – ነዚአን ይደርፈን ነይረ።
ብድሕር’ዚ ኣብ 24 ዙር ናብ ሳዋ ወሪደ።
ሳዋሞ ከመይ ጸኒሓትኪ?
ሳዋ ምስ ከድኩ፡ ነቲ ሞያይ ዝያዳ
ተተሓሒዘዮ። ኣብ ዙርና ብዙሓት ዓቕሚ
ዘለዎም ስነ ጥበበኛታት’ዮም ነይሮም። ሓንቲ
ጉጅለ ባህሊ ኣቚምና ንነጥፍ ነይርና። እታ
ጉጅለና ከኣ ልዑል ምክትታል ዝግበረላ
ዝነበረ፡ መሳርሒታታ ምሉእ፡ ቀጻሊ ናይ
ምርኢት መደባት ዝስራዓላ’ያ ነይራ። ድሕሪ
ታዕሊም’ውን ተጠርኒፍና ምስራሕ ቀጺልና።
ሽዑ ንመመረቕታና ትኸውን ‘ስሑል’
ትብል ደርፊ ተዳልያትለይ። ኣስመራ መጺአ
መሊኤያ።
“ንኣመል ምስ መግነዝ ኣይትዳህለለሉ
እቲ ሕሉፍ ታሪኽ ሰነድ ኣሎ ባዕሉ
ዝትንክፍ ሃገረይ ከላዕል ሕማመይ
ከዘኻኽረኒ ጀጋኑ ኣቦታተይ” ዝብል
ትሕዝቶ ዝነበራ እያ። ግጥሚ ሚኪኤለ
ብላዕ ኢልዎ፡ ዜማ ከኣ ባባ’ዩ ሰሪሑላ። ኣብ
መመረቕታና ከኣ ኣቕሪበያ።
ዝረኸብክዮ ግብረ መልሲ ከመይ ይመስል
ነይሩ?
ብጣዕሚ ተስፋን ሞራልን ዝሃበትኒ’ያ።
ካብ ቅድሚ ናብ መድረኽ ምድያበይ
ኣትሒዝካ ብኣባላትናን ሓለፍትናን ዝወሃበኒ
ዝነበረ ምትብባዕ ኣዝዩ ጽቡቕ ነይሩ። ድሕሪ
ምድራፈይ ዳርጋ ንመዓት ሰብ’የ ክፍርም
ውዒለ (ሰሓቕ) ደራፊት ኰይነ ማለት’ዩ።
ብድሕር’ዚ ምልእቲ ጉጅለ ባህሊ፡ ኣብ
ትሕቲ ባህላዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ትምህርቲ
ተጠርኒፍና። ኣነ መጀመርታ ምስ ጉጅለ
ባህሊ ሪም ደሓር ከኣ ምስ ኣሰር ኰይነ ኣብ
ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ኩሉ
ከባቢታት ኤርትራ እናተንቀሳቐስኩ
መደባት ኣቕሪበ። ጐኒ ጐኒ’ዚ
ብውልቀይ ደርፊታትን ቪድዮ
ክሊፕን የዳሉ ነይረ።
እንታይ ዝብላ ደርፊታት’የን
ነይረን?
መጀመርታ ክልተ ደርፍታት’የ
ምስ ቪድዮ ክሊፕ ሰሪሐ።
‘ኣሕልመኒ’ ከምኡ ድማ
‘ተበሪሁኒ’ሎ’ ዝብላ ደርፍታት’የን
መንእሰይ 42
ነይረን። ኣሕልመኒ ግጥሚ ብገብርሂወት ጸሃየ
ዜማ ከኣ ኤፍሬም (ጃንሆይ) ዝተዳለወት’ያ
ነይራ። ጽብቕቲ ስራሕ’ያ ነይራ፡ ደሓን
ተሰሚዓትለይ። እኹል’ዩ ነይሩ ንዓይ።
‘ተበሪሁኒና’ሎ’ ከኣ ግጥምን ዜማን ብኤፍሬም
ካሕሳይ (ወዲ ዃዳ) ዝተሰርሐት’ያ። ቊሩብ
ድፍር ዝበለት’ያ ነይራ። ከምኡ ስለዝዀነ
መንእሰያት ጽቡቕ ተቐቢሎማ ዓበይቲ ግን
ቊሩብ ኣይደገፉዋን። ቊሩብ ድፍር ኢልኪ
ዝብል ርእይቶ ነይሩ።
ዝቐጸለ ስራሓትኪኸ?
ብድሕር’ዚ ዝሰራሕኩወን ደርፍታት
– “ማና’የ፡” “ሎምስ ፈሪሐ” ከምኡ ድማ
“ወዲ ምስሌነ” ዝብላ’የን ነይረን። ንሰለስቲአን
ደርፍታት ዜማ ዝገበረለይ ድምጻዊን ዘያማይን
ኣብርሃም ኣለም (ኣቢ)’ዩ። ኣዝየ ዝፈትወን
ስራሓት’የን። ንመንእሰይ ዘያማይ ኣቢ ከኣ
ፍሉይ ምስጋና ይብጽሓዮ። ኣብ ግጥሚ
ናይዘን ደርፍታት ኣቢብ ሓይልኣብ (ማና’የ)፡
ኣብርሃም ኣለም ምስ ዳኒኤል ብጹእኣምላኽ
(ሎምስ ፈሪሐ) ከምኡ ድማ ኣስመሮም
ሕድራይ (ወዲ ምስሌነ) እዮም ሰሪሖም።
‘ወዲ ምስሌነ’ ከምኡ ከኣ ‘ሎምስ ፈሪሐ’
ልዑል ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ዝነበረን’የን።
እቲ ምስጢረን እንታይ’ዩ ትብሊ?
እወ ክልቲአን ደርፍታት ልዕሊ መጠን’የን
ጽቡቕ ከይደን። ክገርመካ ክልቲአን ዳርጋ
ጐኒ ጐኒ’የን ተሰሪሐን። ከም ደርፊ ሎምስ
ፈሪሐ ትቕድም። ናብ ህዝቢ ግን ወዲ
ምስሌነ እያ ቀዲማ ተዘርጊሓ። ‘ሎምስ ፈሪሐ’
ብዛዕባ ሓንቲ ኣፍቃሪኣ (በዓልቤታ) ናብራ
ክቕይር ናብ ስደት ከምርሕ ይወናወን
ምንባሩ ርእያ ስግኣት ዝሓደራ ገጸ ባህሪ’ያ።
ኣቢ ካብ ሓቀኛ ኣጋጣሚ ናይ ሓብቱ
ተበጊሱ’ዩ ከዳልዋ ዝሓስብ ነይሩ። ብሓባር
ምርኢት ከነቕርብ ናብ ማይሂመት (ሳሕል)
ኣብ ንኸደሉ ዝነበርና፡ ንዘራረበላ ነይርና።
ሽዑ ‘ሎምስ ፈሪሐ
ሎምስ ፈሪሐ’ እናበለ ነታ ዜማ ጀሚርዋ።
ምስ ሰማዕኩዋ ፈትየያ – ብጣዕሚ ኣድኒቐያ።
ብድሕሪኡ ‘ጥዕምቲያ ስርሓያ ኢለዮ። እታ
ቀዳመይቲ ክፋል ሽዑ ሰሪሕዋ። ኣስመራ
ምስ ተመለስና፡ ምልእቲ ደርፊ ገይርዋ።
ተንካፊት’ያ! ካብ ኩለን ደርፍታተይ
ዝፈትዋ’ያ። ማራ ትትንክፈኒ’ያ። ኣብ
ህዝቢ’ውን ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸበት’ያ።
ወዲ ምስሌነኸ?
ወዲ ምስሌነ እታ ብብዝሒ ተፈታውነት
ዝረኸበት፡ ኣነ’ውን ደጋጊመ ሰሚዐ
ዘይመንዋ’ያ። ዘይትምኖ ኰይኑ ይስምዓኒ፡
እዚ ከኣ እቲ ዘለዋ ባህላዊ ትሕዝቶ ክኸውን
ይኽእል’ዩ። ትሕዝቶ ናይዛ ደርፊ ነቲ ናይ
ቀደም ዛንታታት ዘዘክር’ዩ። እታ ጓል ካብ
ታሕተዋይ ደረጃ ማለት ጓል ዓዃይ እያ።
ንሱ ከኣ ወዲ ምስሌነ እዩ። ካብቲ ልሙድ
ናይ መውስቦ ልምዲታት – ማለት በቲ ዝነበረ
ልምዲ መምስ መዋስብትኻ ኢኻ ትኸይድ።
ንሱ ግን ንጓል ዓዃይ እዩ ዝፈትዋ። ፈትዩዋ
ጥራይ ዘይኰነስ ክሳብ መውስቦ’ውን
ይበጽሑ። ንሳ ከኣ፡
‘እንታይ ሕቶ ደሊኻ
ገጸይ’ዩ መልስኻ’ ኢላ’ያ ሓጐሳ ትገልጽ።
ጽቡቕ ዛንታ’ዩ ዘለዋ። ዜማኣን ምቅንባር
ሙዚቃ ብኹሉ ኹሉ ጽብቕቲ ስራሕ’ያ።
ብድሕር’ዚ ዝመጽአት ደርፍኺ ‘ኣሎኒ’
ትብል’ያ። ካብቲ ካልእ ስራሓትኪ ፍልይ
ዝበለትያ።
እወ. . ዝተፈልየት ስራሕ’ያ። መብዛሕትኡ
ደርፍታተይ ጓይላ’ዩ። ኣብ መጀመርታ
ዝሰራሕኩዋ ‘ይቕረ በለለይ’ ካልእ ከኣ
‘ማና’የ’ ምስ ደረፍኩ፡ እዚኣ ካብ ጓይላ ወጻኢ
ዝዀነት ደርፈይ’ያ። እዛ ደርፊ ግጥሚ
ግርማይ ኣብርሃም፡ ዜማ ከኣ ሬገን የማነ’ዮም
ኣዳልዮማ። ብጣዕሚ ዝፈተኹዋ ደርፊ’ያ።
ጽቡቕ ትሕዝቶ ኣለዋ። ምስተን ካልኦት
ደርፍታተይ ኣነጻጺርካ፡ ዝነበራ ተቐባልነት
ቊሩብ ጉድል ይብል። እዚ ምናልባት ኣብዚ
ሕጂ እዋን ዘሎ ሰማዒ ዝያዳ ነቲ ጓይላ
ይመርጽ ስለዘሎ’ዩ ዝኸውን። ቅድሚ ገለ
እዋን፡ ኣብ ምርኢታት ይኹን ኣብ ካልእ፡
ጓይላ ከም መብረ ናይ ካልእ ቅዲታት’ዩ
ዝቐርብ ነይሩ። ሕጂ ንሱ ዓብሊሉ’ሎ።
ናይዚ ምኽንያት እንታይ’ዩ ትብሊ? ካልእ
ቅዲታት ኣብ ምድላው ስለዝደኸምኩም
ድዩ?
ኣይመስለንን። ኣነ ከም ድሌት ካልእ
ቅዲታት ክጻወት ይደሊ’የ። ብፍላይ ኰፍ
ኢልካ ክስማዕ ዝካኣል ዝሑል ደርፍታት
ብጣዕሚ’የ ዝፈቱ። ሕጂ’ውን ዘዳለኹዎ
ደርፊታት ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝዝርግሓ፡
‘ንስኻ ግን’ ትብል ዝሕልቲ ደርፊ ኣላ።
ግጥሚ ብኢደ ታደሰ ዜማ ከኣ ሬገን የማነ
ዘዳለዉዋ። ምርጫ ናይ ሰማዕቲ ግን ጓይላ
እናዀነ’ዩ መጺኡ፡ ተስፋ ይገብር ነቲ ካልእ
ቅዲ ኣብ ምስትምቓር’ውን ከምቲ ናይ ጓይላ
ክኸውን።
እተን ኣብ መወዳእታ ተዘርጊሐን ዘለዋ
ደርፍታትኪ፡ ‘ክስዕረካ’የ’ ከምኡ ከኣ ‘ዝያዳይ’
ዝብላ’የን። ብዛዕባአን እስከ ነዕልል?
‘ክስዕረካ’የ’ ብዛዕባ ሓንቲ ንእትፈትዎ ወዲ
ብጋህዲ ፍቕራ ትገልጸሉ። ንሱ ግን ተገዳስነት
ዘየርእያ ጠባይ እትገልጽ’ያ። ብሰንኪ ግሉጽነታ
ከም ዘይተኣማኒትን ፋሉልን ይሓስባ። ንሳ
ግን ብፍቕራ ከይተሓለለት ከም ትማርኾን
ከም ትስዕሮን’ያ ትገልጽ። ብርእሰ ተኣማንነት
ማለት’ዩ!
‘እመን ክስዕረካ’የ ኣብቲ ጸወታ
እመን ድሕሪ ጸላም’ዩ ዘሎ ወጋሕታ
እመን ጭማራ ዓቕሊ እናወርወርኩ
ፍትወት
እመን እንተገጢመካ ከመይ ዘይዕወት
እመን ክስዕረካ’የ ኣብታ ሰዓታ
እመን ንዓኻ እምበር ንመን ደኣ’ታ
እመን ኣነ’የ ኣይትበል ምኩሐይ ወለላ
እመን ኢድካ ትህበላ ሓንቲ መዓልቲ’ላ’
ዝብል ትሕዝቶ ዘለዋ’ያ።
ብድሕሪኡ ዝመጽአት ‘ዝያዳይ’ ትብል
ደርፈይ’ያ። እዛ ደርፊ ኣብ ሓጺር ግዜ ኢና
ኣዳሊናያ። ገና ከየጻፈፍናያ እንከላ ድማ፡
ብ’ሳምፕል’ ወጺኣ። ነዛ ደርፊ ዘዳለወለይ
ኢሳቕ ዑቕባይ (ኢሳቕ ክራሪስታ) እዩ።
እናዳለዋ እንከሎ ኣይትንገርዋ ኢሉ ዝነገሮም
ገለ ቀረብትና፡ ‘ኢሳቕ ሳርፕራይዝ ክገብረኪ’ዩ፡
ይሰርሓልኪ’ሎ’ ኢሎምኒ። ምስ ተራኸብና
ከኣ ድሮ ወዲእዋ ጸኒሑ ኣስሚዑኒ። ሽዑ
ንሽዑ ናብ ስቱድዮ ሜጋ ሚክስ ከይድና
ከነእትዋ ጀሚርና። ሙዚቀኛታት ይኹን ኣነ
ኣብ ክልተ መዓልቲ የእቲና። ገና ከየጻፈፍናያ
ወጺኣ። ሰብ ግን ጽቡቕ ተቐቢልዋ።
እቲ ዜማ ምሉእ ብምሉእ ፈጠራዊ ድዩ?
ሓንቲ ዜማ ካብ ያታዊት ኣላ – ‘ሓዘኒ
መንእሰይ 43
ሓዘኒ’ ትብል። ካልእ ግን ምሉእ ብምሉእ
ናይ ኢሳቕ ፈጠራ’ዩ። እታ ኣብ እዝኒ ሰብ
ዝጸንሐት ዜማ ምስቲ ሓድሽ ተደማሚራ፡
ጽቡቕ ውህደት ኣምጺኣ። ነታ ደርፊ ምስቲ
ሰማዒ ኣብ ምትእስሳር ከኣ ኣገዳሲት’ያ ነይራ።
ብሓፈሻ ከም ድምጻዊት ብዛዕባ እንታይ
ክትደርፊ ትደልዪ?
ብዛዕባ ሃገርን ብዛዕባ ኣደን ክደርፍ’የ
ዝደሊ። ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ኣብ ክልቲኡ
ኣይደረፍኩን። ኣነ ሃገርን ኣደን ኣብ ዝኸድካ
ከይድካ ዘይቅየራን ዘይድገማን ኰይነን’የን
ዝስማዓኒ። ኣበርክቶ ናይ ኣደ ንኣብነት
መወዳድርቲን መግለጺን ዘይርከቦ’ዩ። ሃገር
ከኣ ከምኡ – ርሓቕ ቅረብ ዘይትቕይራ
መንነት’ያ።
ትፈትውያ ደርፊ ናይ ኣቦኺ?
ብሓፈሻ ኩሉ ደርፍታቱ ይምስጠኒ’ዩ።
ልዕሊ ኩሉ ግን እታ፡
‘ናይ ንእስነት ፍቕረይ ዘይርስዓኪ
ዘይትርስዕኒ
እንታይ ናብርኡ ኰን ተሕልፊ ትዀኒ’
ትብል ይፈትዋ። ባባ ኣብ ደርፍታቱ ይኹን
ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ፈቃር’ዩ። ብፍቕሪ
ዝተመልአ ስድራ ከም ንምስርት ከኣ ገይሩ።
ነብስኺ ንምምዕባል እንታይ ትገብሪ?
ብሓፈሻ እዚ ፒያኖ ባር ብጣዕሚ’ዩ
ዝጸርበካ። ቀጻሊ ክትሰርሕ የድክመካ’ዩ፡ ግን
ዓቕምኻ ኣብ ምዕባይ ሓጋዚ’ዩ። ካልእ ምስ
ባባ ይኹን ካልኦት ሙዚቀኛታት ቀጻሊ ኣብቲ
ስራሕ ብምስታፍ፡ ዘለኒ መረዳእታ ከስፍሕ
ይፍትን’የ። ክገርመካ ግን ምሉእ መዓልቲ፡
ኣብ ዝዀነ ቦታ’የ ዝደርፍ። ገለ ገለ እዋን ዋላ
ኣብ ዘይድረፈሉ ቦታ፡ ሰብ ቁም ነገር እናዕለለ
ኣይገድፍ. . . ይደረፍ – ጐንፊ’ዩ!
ናይ መጻኢ መደብኪ እንታይ’ዩ?
ብዙሕ መደባት’የ ሒዘ ዘለኹ። ገለ ገለ
ንጽል ደርፍታት ክዝርግሐን ዘዳለኹወን
ኣለዋ። ካልእ ምስ ባባን ዳናዪት ሓብተይን
ብምዃን ሓንቲ ምልእቲ ኣልቡም ምስ ቪድዮ
ክሊፕ ኣብ ምድላው ኣለና። ብድሕሪኡ
ኣስፊሐ ክሕዞ’የ ግን፡ ናተይ ኣልቡም ኣብ
ምድላው’ውን ኣለኹ። ቅድሚ ኩሉ ካብ
ናይ ባባ ደርፊታት ነታ ‘ኤዱ’ንዶ በሉለይ’
ሰለስቴና ዝደገምናያ ኣላ ንዓኣ ክንዝርግሓ
ኢና።
ሕጂ ናብ ሓጸርቲ ሕቶታት ክንሰግር?
ጽቡቕ! ንኽእሎ ይግበረልና
ሰምሃር ከም ሰብ ከመይ ትርእዪያ?
ኲልሳዕ ሕጉስቲን ሰሓቒትን’ያ። ሰብ
ትፈቱ’ያ። ኣብ ቁም ነገር’ውን ቁም ነገረኛ’ያ።
ሰብ ምብዳል ኣይትፈቱን’ያ። ዘይንሱ ኰይኑ
ዝቐርብ ኣይፈቱን’ያ።
ንሰምሃር እንታይ የዀርያ?
ሓሶት
ኣብ ህይወትኪ ዝተሓጐስክሉ ኣጋጣሚ?
ኣብ ሳዋ ደሪፈ፡ እቶም ኩሎም
መማህርተይ ብኣድናቘት ምሉእ መዓልቲ
ክፍርመሎም ክሓቱኒ እንከለዉ ዳርጋ ዝነገስኩ
ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ዝተሓጐስኩላ
ኣጋጣሚ ንሳ’ያ።
ኣብ ህይወትኪ ዝጓሃኽሉ ኣጋጣሚ?
ናይታ ዝፈትዋ ዓባየይ ሞት ዝሰማዕኩሉ።
ኣብ ትርፊ ግዜኺ ተዘውትርዮ?
ብዙሕ ኣይኰንኩን ግን ብዓቕመይ
የንብብ’የ። ምስ ስድራቤተይ ምዕላል፡
ኢንተርነት ምክትታል ይፈቱ’የ።
ንሰምሃር ትገልጽ ሓንቲ ቃል?
ሕውስቲ
ብልጫታት ሰምሃር?
ዝተሰምዓ ትዛረብ፡ ሕጉስቲ. . ይኣኽላ!
ድኻማት ሰምሃር?
ቀልጢፍካ ምሕራቕ፡ ነገራት ሸለል
ዘይምባል
ብቁልዕነትኪ ክትኰንዮ ትብህጊ ዝነበርኪ
ግን ዘይኰንክዮ?
ዶክተር! (ሰሓቕ) ከም ብዙሓት ቈልዑ
ኣነ ዶክተር ክኸውን’የ ዝብል ነይረ።
ሓኪም ክርኢ እንከለኹ ደስ ይብለኒ ነይሩ።
ጻዕዳ ተኸዲነ ሕሙማት ክኣሊ. . . ግን
ኣይኰንኩን።