Eritrean artist

Interview with Eritrean artist Millen Hailu

Interview with Eritrean artist Millen Hailu

ሓንቲ ካብቶም ኣብ ፍርያቶም ፍሉይ ቅዲታት
ዝጥቀሙ ድምጻውያን ሃገርና’ያ። ዛጊት ኣብ ብርክት
ዝበሉ ፊልምታት ሃገርና ትንግርታውን ተፈታውን ጠባይ
ሒዛ ብምውሳኣ ልዑል ተቐባልነት ረኺባ’ያ። ንሓንቲ
ካልኢት’ውን ትኹን ካብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ክትእለ
ዘይትደሊ ወናም ስነ-ጥበበኛ’ ብምዃና፡ ንመጻኢ ኣብ
ዝበረኸ ጥርዚ ዓለም ስነ-ጥብብ ከትበጽሕ ከምትኽእል
ብኣጋኡ ይስወጠካ። ናይ ሎሚ ዕድምቲ ጋሻና ሳዕሳዒት፡
ድምጻዊት፡ ተዋሳኢት፡ ዳይረክተር ክሊፕ፡ ዲዛይነርን
ክኢላ ሜክኣብን ስነ-ጥበበኛ ሚለን ሃይሉ’ያ. . . ሰናይ
ንባብ!
• ንስነ-ጥበብ ክትሓድግዮ እንተትሕተቲ?
ከም ሕቶ ንዓይ ትጎድኣኒ ሕቶ ስለ ዝኾነት ፈጺመ
ክሰምዓ ዘይደሊ ሕቶ’ያ። ንስነ-ጥበብ ክገድፎ
ኢለ ኣይጀመርኩዎን። ምኽንያቱ ስነ-ጥበብ ንዓይ
ስምዒታተይን ቋንቋይን’ዩ። ስነ-ጥበብ ሓጎሰይ’ዩ፡ ሓጎሱ
ክምንጠል ዝደሊ ሰብ ከኣ የለን። ንስኻ ‘ሓጎስ ዶ ይሕሸካ
ሓዘን?’’ እንተትበሃል እንታይ ምመረጽካ? ርግጸኛ’የ ሓዘን
ዝመርጽ ሰብ ስለ ዘየለ ሓጎስ ከም እትብል።
• ብኸመይ ኢኺ ናብዚ ሩሕ ህላወይ’ዩ እትብልዮ
ዓለም ስነ-ጥበብ’ዚ ተጸንቢርኪ?
ስነ-ጥበብ ካብ ግዜ ቁልዕነተይ፡ ማለት ጓል ሓሙሽተ/
ሽዱሽተ ዓመት ኣቢለ እንከለኹ’የ ጀሚረዮ። ሓትነታተይ
ኣብ መስትያት እናረኣያ’የን ዝስዕስዓን ዝደርፋን ነይረን።
ኣነ ኸኣ ኣብቲ እዋን’ቲ ምስአን ኮይነ እለማመድ ነይረ።
ስለዚ ንስነ-ጥበብ ብሳዕሲት’የ ፈሊመዮ ክብል እኽእል።
• ደሓር’ከ ከመይ ቀጺልክዮ?
ተማሃሪት ቤት ትምህርቲ ዓወት እንከለኹ፡ ኣብ ቤት
ትምህርትና ክስዕስዕ መምህር ኤፍሬም ፍቃዱ ርእዩኒ።
ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፋላለየ ናይ ቤት ትምህርትና ጽንብላት
እሳተፍ ነይረ። ኣብ 2003 እቶም ምስ መምህር ኤፍሬም
ፍቓዱ ዝነበርና ዉሑዳት ቆልዑ ምስ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር
ተጸንቢርና። ኣብ 2004 ኣብ መበል 14 ዓመት መዓልቲ
ናጽነትና ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ድራማ ኣቕሪብና።
ብድሕሪ’ዚ ብመምህር ኤፍረም ፍቓዱ እናተኣለና ንጉጀለ
ባህሊ ዋሪ መስሪትና። ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሳዕሳዒት እየ
ነይረ። ደራፊት ክኸውን ዝገመተኒ ሰብ ኣይነበረን።
• ናብ ደርፊ ደኣ ብኸመይ ሰጊርኪ?
ኣብ 2006 ኣብ ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ በብእብረ
እናተባረረና ክንደርፍ ምስ ርኣዩና፡ ካብቶም ምሳና
ዝነበሩ ኣለይቲ ገለ-ገለ ሓገዛት ተገይሩለይ ክደርፍ ከም
ዝኽእል ግምታት ወሲዶም። ብድሕሪ’ዚ ናብ ኣስመራ
ምስ ተመለስና ብድምጻዊ ግርማይ ዓንዶም ንሕገዝ
ስለ ዝነበርና፡ ኣብታ “ብርሃን ዓይነይ” እትብል ደርፉ
ካልአይቱ ኮይነ ብምድራፍ ንደርፊ ዓለም ኣሃዱ ኢለፈሊመዮ። ኣድህቦይ ድማ ናብ ደርፊ ዛዝዩ።
• ምስ ሓቀኛ ፍጻመታት ወይ ምስ ነብስኪ ብምትእስሳር
ዝደረፍክዮም ደርፍታት ኣለዉ’ዶ?
ብርግጽ ኩሎም ስርሓተይ ምስ ሓቀኛ ፍጻመታት
ናይ ሕብረተ-ሰብ ብምትእስሳር ዝደረፍኩዎም’ዮም።
ካብቶም ብዙሓት ፍርያተይ ሓደ-ሓደ እውን ምስ ነብሰይ
ዝተኣሳሰሩ ኣይሰኣኑን’ዮም (ስሓቕ)።
• ዛጊት ክንደይ ዝኣክል ክሊፓት ኣፍሪኺ ኣለኺ?
ናብ ህዝቢ ዝዘርጋሕኩዎም ‘ብርሃን ዓይነይ’፡
‘ኣስሊ’፡ ‘ርሓቕ’፡ ‘ሰኣን ሕራይ’፡ ‘ገዳሙ’፡ ‘ንፋቶ ኢና’፡
‘መቺኡኒ’፡ ‘ኣፍቂርካ ከኣሎ’፡ ‘መጀመርታ ፍቕሪ’፡ ‘ሰብ
ኣይከውንን’የ’፡ ዘርእስቶም ዓሰርተ ክሊፓት ኣፍርየ
ኣለኹ።
• ሓንቲ ባህላዊት ክሊፕ ጥራሕ’ያ ዘላትኪ ስለምንታይ
ኢኺ ዘይደፋእክሉ?
ባህላዊ እሰርሕ’የ። ንኣብነት እዛ ‘መቺኡኒ’ ዘርእስታ
ደርፈይ ናብ ባህሊ ዝኸደት’ያ። ብዓቢኡ ግና ኣብ ቀረባ
እዋን ክደፍኣሉ ተዋዲደ ኣለኹ። ነቲ ባህላዊ ናብ ዘመናዊ
ገጹ ከማዕብሎ እደሊ’የ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ድማ ባህላዊ
ደርፍታት ክዝርግሕ ቅርብቲ’የ ዘለኹ።
• ከም ተዋሳኢት’ከ ኣበየናይ ተዋስኦታት ተሳቲፍኪ?
ኣብ ‘ደበንገረ’፡ ‘ቃሕታ’፡ ‘ወይ ሰብ ደቀይ’፡ ‘ጆሲ’፡
‘ማርታ’፡ ዘርእስተን ሓሙሽተ ፊልምታት ሃገርና ተዋሲአ
ኣለኹ።
• ሚለን ኣብ ኪሊፓታ ኮነ ኣብ ትዋሰአሎም ፊልምታት
ክዳን ኣይትደግምን’ያ ክበሃል ሰሚዐ ኣለኹ፡ ሓቅነቱ
ከመይ’ዩ?
ምድጋም ክዳውንቲ ኣብ ስርሓተይ ባህ ኣይብለንን’ዩ።
ብርግጽ ከኣ ኣብ ክሊፓተይ ኣይደገምኩን። ኣብ ፊልምታት
ግና ብሰንኪ ናይ ሕጽረት ግዜን ካልእን ዝደገሙክዎ
ክዳውንቲ ሓደ ክልተ፡ ማለተይ ውሱናት ኣይስኣንን። ሓደ
ስነ-ጥበበኛ ኩሉ ግዜ ሓድሽ ነገር እንተፈጠረ፡ ምድግጋም
እንተዘይመረጸ ጽቡቕ’ዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ።
• ሚለን ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሓታ ቅንዕትን ፈቃርን
ዓይነት ሰብ’ያ፡ ኣብ ሓቀኛ ህይወታ’ኸ?
እታ ኣብ ዕዮታተይ ዘላ ሚለን ኣነ ኣይኮንኩን። ከምኣ
ክኸውን ግና ብጣዕሚ’የ ዝደሊ። ብትኽክል ልዕሊ ዝኾነ
ሰብ ንነብሰይ ኣጸቢቐ ይፈልጣ’የ። ብዛዕባ ነብሰይ ሕጂ
ክዛረብ ጽቡቕ ስለዘይኮነ ግና ንሕብረተ-ሰብ ንግደፎ።
ሕብረተ-ሰብ ክፈርደካ’ዩ ጽቡቕ።
• ኣዝዩ ፍሉይ ቅድታት ኢኺ ትጥቀሚ፡ ነዚ ቅዲ’ዚ
ብኸመይ ኢኺ ኣማዕቢልክዮ?
የስተብህል’የ፡ የስተማቕር’የ፡ የጽንዕ’የ። ብትኽክል
ካብ ሰባት’የ ተማሂረዮ፡ ናብ ሰባት ከኣ’የ ዝመልሶ።ብኡ መሰረት እየ ነቲ ዝደልዮን ነቲ ዝጥዕመንን ቅዲ
ዝጥቀመሉን ዘማዕብሎን።
• ኣብዚ እዋን’ዚ ንናትኪ ቅዲ ዝኽተላ ድምጻውያን
ይቀላቐላ ብምህላወን ዝስመዓኪ ስምዒት?
ጽቡቕ! ኩሉ ሰብ ናተይ ቅዲ እንተ ዝኸተል ኣዝዩ ባህ
ምበለኒ። ምኽንያቱ ሕልመይን ባህገይን ንሱ’ዩ። ስርሐይ
ሰባት ክደግምዎ ወይ ክኽተልዎ እንተጀሚሮም ፈትዮሞ
ከምዘለው ዝሕብር መልእኽቲ ስለ ዝኾነ ሕጉስቲ’የ።
• ካብ እትነጥፍሎም ሞያታት ስነ-ጥበብ ንዓኺ እቲ
ዝኸበደ ኣየናይ’ዩ?
ዳይረክቲንግ (ኣልያ) ክሊፕ ምስራሕ ከቢድ እዩ። ዳርጋ
ኲናት እዩ። ካብቲ ኩልና ንፈልጦ ኲናት ዝፈልዮ ነገር
እንተሎ ግን ምቁር ኩናት ብምዃኑ’ዩ።
• ዛጊት ካብ ዝኣለኽየን ወይ ዝመራሕክየን ክሊፓት?
ዳርጋ ኩለን ክሊፓተይ ባዕለይ’የ መሪሐየን። ብዘይካ
እታ ‘ገዳሙ’ ዘርእስታ ክሊፐይ ማለት’ዩ። ‘ገዳሙ’
መርሃዊ መለስ’ዩ ዳይረክተራ።
• እታ ናይ ፈለማ ኤርትራዊት ዳይረክተር ክሊፕ
ብምዃንኪ እንታይ ይስምዓኪ?
ሕጂ ትነግረኒ ኣለኻ። ብልክዕ እንተኾይነ ግና ሓጎሰይ
መቋጻጸሪ የብሉን።
• ካብ ትዕዝበተይ ኣብ ጸጋመይቲ ኢድኪ ነዊሕ
ዝገበረት ውቃጦ ኣላ፡ ብዛዕባ እዛ ውቃጦ እዚኣ እንታይ ምበልክና?
(ስሓቕ) ‘ኢንድለስ ላቭ’ያ ትብል። ምስ ኩሉ ሰብ፡ ምስ
ነገራት፡ ምስ ስነ-ጥበብ ዘይውዳእ ፍቕሪ ክህልወኒ ስለ
ዝደሊ’የ ተወቂጠያ። በብቚሩብ ደኣ ትፍትሸኒ ኣለኻ’ምበር
ኣብ ክሳደይ’ውን ሓሙሽተ ከዋኽብቲ ኣለዋኒ። (ስሓቕ)
ብኹሉንትናይ ኮኾብ ክኸውን ስለዝደሊ’ዩ መስለኒ።
• ሕልምኺ እንታይ’ዩ?
ሕልመይ፡ ሎሚ ምስራሕ፡ ሎሚ ለውጢ ምምጻእ፡
ኣብ ሎሚ ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሕካ ዘለኣለም ምንባር’ዩ።
• ኣብ መወዳእታ ትብልዮ እንተሎ?
ተማሂረ፡ ዓብየ፡ በብግዜኡ ለውጢ እናምጻእኩ ዕውትቲ
ሰብ ክኸውን ክጽዕር’የ።