Internet

Internet | ኢንተርነት ብኸመይ ትጥቀም?

Internet | ኢንተርነት ብኸመይ ትጥቀም?

ኢንተርነት ሓደ ካብቶም ኣብዚ ግዜ’ዚ
ዓለምና እትጠልቦም መሰረታውያን
ዓውዲ ተክኖሎጂ እዩ። ስለዝኾነ ዝኾነ
ሰብ ክኽእሎን ክትቀመሉን ዝግባእ‘ዩ።
መባእታዊ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት
እዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ምጥቃም
ይከኣል።
ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ዝህቡ
ካፈታት ብምኻድ ኮምፕዩተር ድሕሪ
ምሓዝ።
– ብመጀመርታ ናይ ኢንተርነት
ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ከም
ኢንተርነት ኤክስፕሎረርን ሞዚላንዝኣመሰሉ ሶፍትዌራት (browsers)
ንኸፍት።
– ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ
ሸነኽ ናይቲ ዝተኸፍተልኩም ገጽ
(web page)። ኣድራሻ (web site)
ንጽሕፍ።
ኣብ ኢንተርነት ዝጽሓፍ
ኣድራሻታት ዝተፈላለየ ኮይኑ
ትምህርታዊ። ማሕበራዊ። ስፖርታውን
ፖለቲካውን ዛዕባታት ዝድህስስ
ዓይነታት ዘጠቓልል ኣድራሻታት
ይርከቡ። ዝኾነ ኣድራሻ ንምጽሓፍ።
www. ኣድራሻ.com ክንጽሕፍ
ይገባእ። እቲ ኣድራሻ ዝብል ዝደለኻ
ኣድራሻ ንምእታው እዩ ዘገልግል።
ገለ ካብ ዝውቱራት ኣድራሻታት
ኢንተርነት ንምጥቃስ
ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝውዕሉ።
www.gmail.com
www.yahoomail.com
www.hotmail.com
ንትምህርታዊ መዳያትን ተወሳኺ
መብርሂ ንምሕታትን
www.Google.com
www.ask.com
www.wikipedia.com