mother

I Don’t Really Know my mother Until We Grow Up

I Don’t Really Know my mother Until We Grow Up

ኣብ መጀመርያ ወርሒ መጋቢት 2020 ዓ/ም፡ ቴሌፎን ብምድዋል “ሄለው! ካብ ገረንፊት ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ’የ። ኤደን ጎይትኦም ዝተባህለት መንሰእይ ደሃይ ኣቦኣ የብላን’ሞ፡ ብመንገዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ክትተሓባበሩዋ’የ ደልየ! እወታዊ ምላሽ ድማ ሃብናዮ። ብመሰረት ምርድዳእና ከኣ፡ መንእሰይ ኤደን ነቲ ንዓመታት ኣብ ጉዕዞኣ ኩርኳሕ ፈጢሩ ዘሳቕያ ዘሎ ጉዳይ ወላዲኣ ማዕልቦ ክትረኽበሉ፡ ናብ ላዕሊ ብምንቅዕራር፡ ካብ ሓለፍታ ፍቓድ ሓቲታ፡ ብኣደኣን ንኣደኣ ሓትናኣን ተሰንያ ናብ ፎርቶ – ሚኒስትሪ ዜና፡ ደይባ። ሕንቕንቕ እናበለት ድማ ታሪኽ ህይወታ ኣዘንትያትልና። ንኤደን ኣቦኣ ጎይትኦም (ጌታቸው) ገብረማርያም’ዩ ዝበሃል፡ ኣደኣ ድማ ወ/ሮ ወይኒ ገብረመድህን ትበሃል። ኤደን ኣብ 1996 ዓ/ም እያ ኣብ ማይድማ ተወሊዳ ዓብያ። ክሳብ ናብ ሳዋ ዝበጽሕ ትምህርቲ ቀሲማ ከኣ፡ ሕጂ ሃገራዊ ግቡኣ ኣብ ምፍጻም ትርከብ። ኣብቲ ፈለማ ዝረኸብናያ ግዜ፡ ወላዲታ ኣብ ባረንቱ ከምዘላን፡ ኣቦኣ ግና ከምዘይትፈልጦን ደሃይ ከምዘይብላን እያ ሓቢራትና። ነዚ እናዕለለትና ከላ ሓንቲ ጥራዝ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነይራ። ገበር ናይ’ታ ጥራዝ ካብ ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 20 ሰነ 2011 ዓ/ም ዝተነጸለት፡ “ዛንታ ወላድየይ ዝነግረኒ እንተዝረክብ” ትብል ነበረት። ብፍላጥ ዲኺ ገይርክያ? “እወ! ካብኡ ዝዓቢ ግድል የብለይን” ብምባል መሊሳትልና። ምስ ወላዲታ ተታሓሒዘን ክመጽኣ ከምዘለወን ድማ ተረዳዲእና። ብመሰረት ቆጸራና ድማ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ 12 መጋቢት ንወ/ሮ ኣስሊ ሃይሉ (ንወ/ሮ ወይኒ ጓል ሓትናኣ ምዃና’ያ) ጸንቢረን፡ ሰለስቲአን ናብ ሚኒስትሪ ዜና መጺአን። እቲ ዛንታ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ወ/ሮ ወይኒ ገብረመድህን (ኣደ ኤደን)፡ ኣብ መፈለምታ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ ዝሓሸ ህይወት ንምንዳይ ስድራኣ ገዲፋ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ኣምሪሓ። ናብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ቄራ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብ ተቖጺራ፡ ህይወታ ክትመርሕ ጀሚራ። ሓደ መዓልቲ ምስ’ታ ተስርሓ ዝነበረት ሰብ ብምዃን ኣስቤዛ ክዕድጋ ናብ ዕዳጋ ከዳ። ብወዝቢ ድማ ምስ ጓል ሓትናኣ ትብጽሓ ወ/ሮ ኣስሊ ሃይሉ ተራኺባ። ድሕሪ ድሙቕ ናይ ናፍቖት ሰላምታ ኣድራሻ ተለዋዊጣ። ክበጻጽሓ’ውን ጀሚራ። ኣብ መንጎ እዚ ግና ወ/ሮ ወይኒ ናብ ‘ሳሪስ – ኣዲስ ሰፈር’ ዝበሃል ቦታ ኣድራሻ ቀይራ። ምስ ጎይትኦም (ጌታቸው) ገብረማርያም ዝተባህለ መንእሰይ ተመሃራይ ናይ ዩንቨርስቲ ድማ ዕርክነት ጀሚራ። ዕርክነት ስለዝቐጸለ ከኣ ካብኡ ጥንሲ ሒዛ። እቲ ዘጋጠማ ድማ ንወ/ሮ ኣስሊ ሓቢራታን ምስ ጎይትኦም (ጌታቸው) ኣላልያታን። ጎይትኦም (ኣቦ ኤደን ምዃኑ’ዩ) እውን እቲ ጥንሲ ናቱ ምዃኑ ንኣስሊ ሓበራ። ወ/ሮ ወይኒ ገብረመድህን ናብ ኤርትራ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ስድራኣ ክትሓርስ ምርጫኣ ኰይኑ። ጎይትኦም ምስ ኣሕዋቱ ብምዃን ድማ፡ መንቀሳቐሲ ወረቐት ኣውጺኦም ናይ መጐዓዝያ ገንዘብ ከፊሎም ንኤርትራ ኣፋንዮማ። ወ/ሮ ወይኒ ኣብ ትሕቲ’ቶም ኣብ ማይ-ድማ ዝነብሩ ስድራኣ ብምዃን፡ ኣብ 1996 ዓ/ም ጓል ወሊዳ። ኤደን ጌታቸው ገብረማርያም ተባሂላ ድማ ተሰምያ። ወ/ሮ ወይኒ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ጎይትኦም (ጌታቸው) ገብረማርያም፡ ስፍሕ ዝበለ ፍልጠት ከምዘይብላ’ያ ተዘንቱ። ጎይትኦም (ጌታቸው) ቅጥን ኢሉ ነዊሕ፡ ከደራይ ጽልሚ ስርቕ ዘበለ ምዃኑ፡ ኣብ ሳሪስ ኣዲስ ሰፈር ኰይኑ ምስ መኮነን ገብረማርያምን መብራህቱ ገብረማርያምን ዝበሃሉ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ዩንቨርስቲ ይምሃር ምንባሩ ድማ ትገልጽ። ኣብ ኣጋ ክትሓርስ ናብ ኤርትራ ምምጻኣ ትምህርቱ ከምዝዛዘመን፡ “ሕጂ ትምህርተይ ወዲአ ስለዘለኹ ቤት ሙዚቃ ኣውጺአ ክሰርሕ’የ፣ ወይ ከኣ ናብ ኣልማዝ ሓፍተይ ክኸይድ እየ” ኢሉ ከምዝነገራ ከኣ ወ/ሮ ወይኒ ትሕብር። ካልእ፡ ወዲ ኣፈወርቂ ንዝተባህለ ሓዎም፡ ካብ ኣስመራ ዝመጾም ሳምሶን ዝበሃል ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝግመት ቈልዓ ከምዝነበሮ፡ እቲ ቈልዓ ከኣ፡ ምስኣቶም ይቕመጥ ከምዝነበረ ወ/ሮ ወይኒ ተዘንቱ። ሓደ ግዜ፡ ነቲ ቈልዓ “ካበይ ዲኻ መጺእካ? ኢላ ምስ ሓተተቶ፡ “ካብ ኣስመራ ገጀረት ንእሽቶይ እየ መጺአ” ኢሉ ከምዝመለሰላ እውን ትዝክር። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣጋ’ቲ ናብ ኤርትራ ምብጋሳ፡ ሳራ ትበሃል “ሓፍትና’ያ” ዝበሉዋ መጺኣቶም ምንባራ፣ ሓንቲ ኣልማዝ ትበሃል ሓፍቶም ድማ ኣብ ካልእ ሃገር ከምዘላ ክዛረቡ ከምዝሰምዓቶም’ ወ/ሮ ወይኒ ትገልጽ። ንበዓል ጎይትኦም ኣደኦም (ወላዲቶም) ‘ትብለጽ’ ከምትብሃል፡ ጎይትኦም (ጌታቸዉ) ኣዕሊሉዋ ምንባሩ’ውን ወሲኻ ተብርህ። ኣቦኦም ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ርእይዎም ከምዝተመልሰ ከኣ ትዝክር። ቀጺላ ወ/ሮ ወይኒ፡ ነፍሰ-ጾር ምስ ኮነት ጎይትኦም (ጌታቸው) ምስ ኣሕዋቱ ብምዃን ናብ ሕክምና ወሲዶም ከም ዘመርመሩዋ፣ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ድቂ ከምዘለዋ’ውን ሓኪም ከምዝሓበሮም ተዘንቱ። ኣስዒባ፡ “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሳና ኣብ ሓደ ካንቸሎ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣቶ ሃብተማርያም ዝበሃሉ፡ በዓልቲ ቤቶም ሶፍያ ትበሃል፡ ዓዶም ብግምት ሰገነይቲ እዩ” ትብል ወ/ሮ ወይኒ። ብተወሳኺ፡ ንጎይትኦም ‘ኤልያስ ነጋሲ’ ዝበሃል ቀንዲ ዓርኩ ከምዝነበሮ፡ ንሱ ከኣ፡ እዚ ኣብ’ዛ ስእሊ ምስኡ ዘሎ ከምዝዀነ፡ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛ እንዳመን ከምዝበሃል፡ ቁጽሪ ገዛ ኰነ ቍጽሪ ጎደና ከምዘይትዝክሮ እያ ሓቢራትና – ወ/ሮ ወይኒ። እቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛ፡ ኣብ ሳሪስ ኣዲስ ሰፈር ካብ መወዳእታ ፌርማታ ቍሩብ ምስ ከድካ ምዃኑ እውን ትትርኽ። “መኮነን ሓዉ ንጎይትኣም ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ይሰርሕ ነይሩ። እቲ ቦታ ግና ኣበይ ምዃኑ ኣይፈልጦን እየ። ንጎይትኦም (ጌታቸው) ተኪኤ በዅረጽዮን ዝበሃል መሳርሕቱ ነይሩዎ። መብራህቱ ሓዉ ድማ ኣብ ዕዳጋ ደርሁ ክዕድግን ክሸይጥን እዩ ዝውዕል ነይሩ” ብምባል ወሲኻ ትዛረብ። ወ/ሮ ወይኒ ድሕሪ ምሕራሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ ደሃይ ጎይትኦም (ጌተቸው) ክትገብር ኣይከኣለትን። ንወ/ሮ ኣስሊ ሃይሉ (ዘመዳ) ግና ብሰላም ጓል ከምዝሓረሰት ሓቢራታ። ንጎይትኦም (ጌታቸው) እውን ብመንገዳ ክትሕብሮ ነጊራታ። ጎይትኦም ደሃይ ወ/ሮ ወይኒ ክገብር ናብ ኣስሊ መጺኡ ምንባሩን “በሊ እንኪ እዘን ስእሊ ሃብያ። ስእሊ ናታን ናይ’ታ ህጻንን ደብዳበ ኣሰንያ ድማ ትስደደለይ” ኢሉ ከምዝተሰናበታ ከኣ ወ/ሮ ኣስሊ ትገልጽ። ወ/ሮ ኣስሊ ከኣ፡ እተን ዝሃባ ሓሙሽተ ሓባ ዝዀና ስእልታትን ደብዳበን ሒዛ ናብ ኣስመራ መጺኣ ንወ/ሮ ወይኒ ከምዝሃበታ ተዘንቱ። ወ/ሮ ወይኒ ከኣ፡ “ብሎሚ ጽባሕ ክኸይድ” ኢላ እናሓሰበት ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምግጣሙ ከምዘቋረጸት ትገልጽ። ሕጂ ሰላም ምስ ኰነ ድማ ብምኽንያት ስራሕ ክትከይድ ከምዘይከኣለት’ያ ወ/ሮ ወይኒ ትገልጽ። ንወ/ሮ ወይኒ ዘመዳ ማለት ወ/ሮ ኣስሊ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ክትቅመጥ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ’ዚ ናይ ሰላም እዋን ስድራቤት ንምርኣይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሓ ነይራ። ደሃይ ናይ ጎይትኦም’ውን ኣጣይቓ። እቲ ብዓል ጎይትኦም (ጌታቸው) ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛ ስለዘይትፈልጦ ግና ጻዕራ ኣይሰለጠን – ተመሊሳ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝቕመጥ ዘሎ ኣቶ ግርማይ ዝብሃል በዓል ቤታ’ውን “ጎይትኦም መጺኡካዶ ነይሩ? ከምዝሓተተቶን “ኣይመጸንን” ከምዝበላን እውን ወ/ሮ ኣስሊ ሃይሉ ትሕብር። ኣብ መወዳእታ ኤደን እንታይ ርእይቶ ከምዘለዋ ከተዕልለና ባብ ኣርሒናላ። “ኣነ ኣብ ታሪኽ ህይወተይ ከም’ዚ ምዃነይ ዓቢ ስቓይ’ዩ ዝፈጥረለይ። ታሪኽ ኣቦኻ ዘይምፍላጥ ንዘይበጽሖ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ። ግን .. ኣይክእልን እየ። ምኽንያቱ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝወለደትኒ ስለዝዀነት። ብዘለዋ ዓቕሚ’ውን፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይና ሓኾት ኢላ እያ ኣዕብያትኒ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣደይ ትም በሃሊት እያ። ብዛዕባኡ ኣብ ዘልዕለላ እዋን ነቲ ሽግራ ስለዝትንክፋ እናረአኹዋ’ዩ ገጻ ከሰል ዝመስል። ውሽጣዊ ስቓያ ናብ ደገ ክወጽእ ይረአየኒ። ሽዑ ተታሓሒዝና ኣብ ሓሳባት ንሽመም። እቲ እንኮ ምርጫይ ስእሊ ናይ ኣቦይን ኣደይን ሒዘ ፈቐዶኡ ዕንክሊል ምባል እዩ። ኣቦይን ኣደይን ብሓደ ኰይኖም ዝተሰኣሉዎ ስእሊ፡ ሰባት ክንደልየልኪ ኢና ኢሎም ምስ ወሰዱለይ፡ ኣጥፊኦምለይ። ናይ ኣቦይ ስእሊ ናይ በይኑን ምስ ኤልያስ ነጋሲ ዝተሳእሎን ጥራይ ተሪፈን እነዋልኩም” ብምባል ኣርእያትና ኤደን። ኣብ መደምደምታ ኤደን፡ ድጕል ንብዓታ ንደገ ከይወጽእ እናተኸላኸለት “ናይ ኣቦነት ሃጓፍ ታሪኽ ድሌትካ ክትገብር ዘጸግም’ዩ። ስለዚ ኣቦይ ንምርካብ ኩሉ ክሕግዘኒ ብልዑል ኣኽብሮት እሓትት’’ ብምባል ናብ’ቲ ውሽጣዊ ሻቕሎታ ኣትያ። በሉ ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ዓምዲ ስድራቤት፡ ብዛዕባ እዚ ግድል ንምፍታሕ ኩሉ ግዱስ ክተሓባበራ ነዘኻኽር። ንኤደን 07577620 ወይ ብናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 116266 ብምድዋል ሓበሬታ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ምስግና ዘካርያስ’የ ዝበሃል። ” ዝብል ሓበሬታ መጺኡና። ዝብል ሕቶ ኣቕረብናላ። ብፍላጥ’የ ገይረያ። ምኽንያቱ ” ” ኢላ .!