Sleep in Two Shifts

Humans Used to Sleep in Two Shifts

Humans Used to Sleep in Two Shifts

ፓውላ ስቲዮራት’ያ ትበሃል። ንሳ ን36 ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ስለእትድቅስ በዓል ቤታ ንግሆ ንግሆ ኣብ ገጻ ማይ እናኸዓወ’ዩ ዘተንስኣ። እዚ ኣገባብ ምናልባት ኣብ ገለ ሰብ ሓዳር ጠንቂ ባእስን ምፍልላይን ክኸውን ይኽእል። ነታ 38 ዝዕድመኣ ፓውላን በዓል ቤታን ግን ልሙድ መዓልታዊ ተርኢዮ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም፡ ሳሕቲ ዝረአ ጥዕናዊ ሽግር ምዃኑ’ዩ ዝሕበር። ንሳ ብዛዕባኡ ክትዛረብ ከላ “በዓል ቤተይ ማርክ እንተዘየተንስኣኒ፡ ምሉእ መዓልቲ ምደቀስኩ” ትብል። ሓዳር ቅድሚ ምግባራ ድማ ሰኣን ዘተንስኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝድወል ቴሌፎን ይኹን ምኹሕኳሕ ማዕጾ ትሰምዕ ብዘይምንባራ፡ ካብ ስራሕ ትቦኽረሉ ግዜ ከምዝነበረ’ያ ፓውላ ትዛረብ። ንፓውላ ልዕሊ ኹሉ ዘተሓሳስባግን ምስ ደቀሰት ክትሰምዕ ብዘይምኽኣላ ንስርቂ፡ ባርዕን ካልኦት ሓደጋታትን ከይትቃላዕ እዩ። ንሳ ብተወሳኺ ለይቲ ክትትስእ ስለዘይትኽእል ንደቃ ዘድሊ ምክትታል ክትገብር’ውን ኣይትኽእልን’ያ። ኣብ 2001 ግዝኣት ካሊፎርኒያ ብማዕበል ኣብ ዝተጠቕዓትሉ እዋን ፓውላ ደቂሳ ክትሰምዕ ብዘይምኽእላ ሰባት ገዲፎማ ከምዝሃደሙን ንበይና ኣብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ኣፓርትማ ከምዝተረፈን ጋዜጣ ደይሊ መይል ትጠቅስ። ፓውላ ካብዚ ጸገም ንምግልጋል ብዙህ ጻዕሪ’ያ ኣካይዳ። ንሳ ቀልጢፋ ብምድቃስ፡ ኣብ ግዜ ምሸት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ብምግባርከምኡ’ውን ብሓካይም ዝተዋህባ መድሃኒት ብምውሳድ ዝገበረቶ ፈተነ ዛጊት ለውጢ ከምጽኣላ ኣይከኣለን።