Hosarigo’s Miner in Surgery

Hosarigo’s Miner in Surgery

ፈለጥቲ ብራዚላዊ መንእሰይ ኾሴ ፐድሮ ብዛዕባ’ቲ ሒዙዎ ዝነበረ ሕማም ዘለዎም ርድኢት ክፈላለ ይኽእል’ዩ። እንተዀነ፡ ቅድሚ ምሕማሙ ዋላ’ኳ ድኽነት እንተነበሮ ዋዛን ስሓቕን ዘይፍለዮ ምንባሩ ግና ኩሎም’ዮም ዝሰማምዑ። ንሱ፡ ሃንደበት ስቕታ ዘብዝሕን፡ እንተተዛረበ ድማ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣእምሮኡ ዝመላለስዎን ድቃስ ዝኸልእዎን ዘለዉ ዘይጭቡጣት ነገራት’ዩ ከህተፍትፍ ጀሚሩ። ሓደ ሓኪም፡ “እንታይ’ዩ ዝመላለሰካ ዘሎ” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ደብዛዝ ናይ ሰባት ምስሊን ዓይኒ ዝደጉሕ ብርሃንን’ዩ ዝርኣየኒ። ፍረነገሩ ዋላ’ኳ እንተዘይፈለጥኩዎ ክዛረቡ ግና ይሰምዖም’የ”። “እንታይ ኢሎም’ዮም ዝዛረቡ” “እንድዒ ክርዳኦ ዘይክእል ቋንቋ’ዩ” “ደቂስካ እንከለኻ ዲኻ ትዕዘቦም” “መብዛሕቲኡ ግዜ። ኣብ ገለ እዋናት ግና ተበራቢረ እንከለኹ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ርእሲ ይስማዓኒ’ሞ፡ ይመጹኒ። በጃኻ ዶክተር ሓግዘኒ ክጽለል ኣይደልን’የ። ሰለስተ ዓመታት’የ ተሳቕየ። መግቢ ኣብዩኒ ድቃስ’ውን ከፍርሃኒ ጀሚሩ” “ደሓን ጸገም የለን። ሕማም ዘለካ ኣይመስለንን። ነቲ ዝህበካ መድሃኒት ብግቡእ እንተተጠቂምካሉ ግና፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትሓዊ ኢኻ” ክብል ኣፋነዎ። ኾሴ ፋልማዩ ኣይኰነን ብሓካይም ከምዚ ዝበሃል ዘሎ፡ እዚ ተርእዮ ካብ ዝመላለሶ ክሳብ ሕጂ ናብ ዝተፈላለዩ ሓካይም በጺሑ’ዩ። ዝጠቅም ፈውሲ ግና ኣይረኸበን። ኣብ ታሕሳስ 1950 ኾሴ ዘይከም ኣመሉ ቀልጢፉ’ይ ደቂሱ። ሽዑ ሓደ ኣገራሚ ሕልሚ ሓሊሙ። ኣብ ሓደ ነዊሕ መንገዲ ኰይኑ፡ ኣብ ጫፍ’ቲ መንገዲ ድማ ኣብ ናይ መብጣሕቲ ክፍሊ ዘለዉ ሓካይም በቲ ዘይርዳኦ ቋንቋ እናተዛረቡ ንሓደ ሕሙም መብጣሕቲ እናኣካየዱሉ ይዕዘቦም ነበረ። ንውሕ ዝበለ ምዕሩግ ሓኪም ድማ ነቲ መብጣሕቲ ይመርሕ ኔሩ። ኾሴ ናብ’ቶም ሓካይም ምስ ተጸገዐ ሕጊ ንብረት ካብ 4ይ ገጽ ዝቐጸለ ዝግደሰሉ ኣይረኸበን። ሃንደበት ግና ኩሉ ነገር ደው ኢሉ። እቲ ምዕሩግ ሓኪም ድማ ናብ ኾሴ ብምጥማት፡ ብቋንቋኦም ክዛረቦ ጀመረ። ኾሴ ነቲ ቋንቋ’ኳ እንተዘይፈለጦ፡ ይርዳኦ ግና ኔሩ። “ዶክተር ኣዶልፍ ፍረትዝ’የ ዝበሃል። ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ሚዩኒክ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ክ/ ዘመን ተወሊደ። ዋላ’ኳ ኣብ ንኡስ ዕድመይ እንተዘኽተምኩ ብውልቃዊ ጻዕረይ ግና ተማሂረ ንፉዕ ሓኪም ክኸውን ክኢለ’የ” ብምባል፡ ኣብ ስራሕ እንከሎ፡ ሓደ መኰነን ነታ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረት ህጻን ጓሉ ሒዙሉ ከም ዝመጸን፡ ዋላ’ኳ ከሕውያ ዝከኣሎ እንተገበረ፡ ከም ዝሞተትን፡ ሽዑ እቲ መኰነን፡ ንስኻ ኢኻ ንጓለይ ቀቲልካያ ብምባል ከም ዝኣሰሮን፡ ኣብ 1914 ከምልጥ ከም ዝኸኣለን፡ ብድሕሪ’ዚ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ከም ዝተሳተፈን ኣብ 1918 ቅድሚ ምዝዛም’ቲ ኲናት ብጥይት ተሃሪሙ ከም ዝሞተን ብምግላጽ፡ ብዙሕ ክሰርሖ ዝግባኦን ከድሕኖም ዝግባኦምን ግዳያት ከም ዘለዉን፡ ነዚ ክገብር እንተዀይኑ ግና ምትሃት ብምዃኑ፡ ግድን ትንፋሱ ኣብ ሓደ ህያው ሰብ ክትኣቱ ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ እቲ ዝተመርጸ ሰብ ድማ ኾሴ ምዃኑ ትርር ኢሉ ገለጸሉ። ነዚ ዝሰምዐ ኾሴ ካብ ድቃሱ ባህሪሩ ብምትንሳእ፡ “ኣነ ኣይኰንኩን። ክኸውን ኣይደልን’የ” እናበለ ብጉያ ናብ ጽርግያ ወጸ። ጐረባብቱ ተሓባቢሮም ብምሓዝ ድማ፡ ናብ ካህን’ታ ቁሸት ወሰዱዎ። እቲ ካህን ዘድሊ ሃይማኖታዊ ፍወሳ ምስ ገበረሉ ኾሴ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ኩነታቱ ግና እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ኾሴ፡ “እንተተገላገልኩ” ብምባል ነቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ሕልሙ ዝመጾ ዝነበረ ሓኪም ክእዘዞ ወሰነ። ሓደ መዓልቲ ካብ ስርሑ እናተመልሰ እንከሎ ከኣ፡ ናይ ኣእጋር መልመስቲ ዘስዓበሉ ሓደጋ ዘጋጠሞ ዓርኩ ኣብ መንገዲ ጎፍ በሎ። ሽዑ ኾሴ ነተን ክልተ ምርኩስ መንጢሉ፡ “ኪድ” ክብል ኣዘዞ። እቲ ስንኩልን ሓለፍቲ መንገድን ብተግባራት ኾሴ ሕርቃን’ኳ እንተተሰመዖም፡ እቲ ስንኩል ዝድገፈሉ ዝነበረ ምርኩስ ተመንጢሉ እንከሎ ናብ መሬት ሰጣሕ ዘይምባሉ ግና ኣገሪሙዎም’ዩ። ሽዑ ኾሴ ደጊሙ፡ “ኪድ እንድየ ዝብ5ለካ ዘለኹ” ኢሉ ድፍእ ምስ ኣበሎ፡ ከም ዝዀነ ጥዑይ ሰብ ክኸይድ ጀሚሩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኾሴ ንሓንቲ ኣብ ኣፍሞት ዝነበረት ናይ መዓናጡ ካንሰር ዘለዋ ቤተ-ሰቡ ክበጽሕ ይኸይድ’ሞ፡ ምስ’ቶም ክሰናበቱ ዝመጹ ቤተ-ሰብ ኰይኑ ፊታ ኮፍ ኢሉ ኔሩ። ሽዑ፡ ሃንደበት ብድድ ኢሉ ናብ ክሽነ ብጉያ ብምኻድ ካራ ሒዙ ይምለስ። ነታ ካራ ኣብ ከብዳ የእትዩ ድማ ዝተበላሸወ ስጋን ጸሊም ደምን ምስ ኣውጽኣላ፡ እታ ቅድሚ ገለ ደቓይቕ ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝነበረት ሰበይቲ ሃንደበት ብምብርባር ክትበልዕን ክትሰትን ጀመረት። እዚ ተርእዮታት መዛረቢ ደቂ ዓዲን ከባቢን ኾሴ ምስ ኰነ፡ ኩሎም ሕሙማት ናብ ገዛኡ ክመላለሱ ጀሚሮም። ኾሴ ነቶም ሕሙማት ክፍውስ እንከሎ ድምጹ ይልወጥን ብቋንቋ ጀርመን’ዩ ዝዛረብን ኔሩ። ኣብ’ቲ ህሞት ዶክተር ኣዶልፍ ፍረትዝ ምዃኑ’ዩ ዝዛረቦም ኔሩ። ዝመጾ ሕሙም ምስ ርኣየ’ዩ ኣብኡ እንከሎ ዓይነት ሕማሙ ዝፈልጥ ኔሩ። ዝዀነ መደንዘዚ ከይተጠቕመ ድማ፡ ነቶም ሕሙማት መብጣሕቲ የካይደሎም ኔሩ። መሳርሒኡ ሓንቲ መራት ካራ ጥራይ’ያ ኔራ። እቶም ሓካይም ድማ እንትርፎ ፈኲስ፡ ካልእ ዝዀነ ከቢድ ቃንዛ ይስምዖም ኣይነበረን። ቁስሎም’ውን ንጽባሒታ’ዩ ዝሓዊ ኔሩ። ብሕማማት ካንሰር መዓናጡ፡ ልቢን ካልእን ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሕሙማት በታ መራት ካራ ኾሴ ምስ ተበጥሑ ይሓውዩ ምንባሮም ዘይእመን ነገር’ዩ ኔሩ። ኣብ 1951 ካርሎስ ኣልበርቶ ዝተባህለ ንፕረስደንታዊ ምርጫ ዝወዳደር ዝነበረ ፍሉጥ ብራዚላዊ ፖለቲከኛ ናብ’ታ ኾሴ ዝነበራ ዓዲ ብምምጻእ፡ ካብ’ቲ ኣጋጢሙዎ ዝነበረ ናይ ሰናቡእ ካንሰር ከሕውዮ ንኾሴ ሓተቶ። እታ መራት ካራ ኾዜ ምስ ሓለፈቶ ድማ፡ በቶም ኣቐዲሞም ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ክፍወስ ዝመኽሩዎ ዝነበሩ ዓበይቲ ሓካይም ድሕሪ ዝተገብረሉ መርመራ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወየ ኣረጋጊጹ። እዚ ፍጻመ ኣብ ማዕከናት ዜና ምስ ተጋወሐ ኣብ መላኣ’ታ ሃገር ዝርከቡ ሕሙማት ናብ ገዛ ኾሴ ክውሕዙ ጀመሩ። ንሱ ድማ ኣብ ከተማ ኮንጎንሃንስ ግፍሕ ዝበለ ገዛ ብምክራይ ናቱ ክሊኒክ ከፈተ። ዝዀነ ሕሙም ድማ ክብደት ሕማሙ ብዘየገድስ ኪኖ ውሑዳት ደቓይቕ ይጸንሕ ኣይነበረን። ኣብ’ተን ዝሰዓባ 20 ዓመታት፡ ብዛዕባ ተኣምር ኾሴ ወይ ድማ ጀርመናዊ ዶክተር ኣዶልፍ ፍረትዝ ብዙሕ’ዩ ተሰኒዱ። ዝተፈላለዩ ሓካይምን ምሁራትን ዝተዓዘብዎ ናይ ካንሰርን ካልእን መብጣሕቲታት’ውን ኣካይዱ’ዩ። እንተዀነ ግና ኾሴ ብዘይምስክር ወረቐት፡ ሞያ ሕክምና ብምክያዱ ክልተ ግዜ ተኣሲሩ’ዩ። ኣብ’ቲ ፈለማ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር’ዩ ተፈሪዱ። ጓሉ ንፕረሲደንት ብራዚል ምስ ፈወሰ ግና ብምሕረት ወጺኡ። እታ ካልአይቲ ግዜ ድማ ኣብ 1964 ንሸውዓተ ወርሒ ተኣሲሩ። ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ግና፡ ነቶም ሕሙማት እሱራት ክፍውስ ተፈቒዱዎ’ዩ። ኣብ 1971 ኾሴ ንመቕርቡ ዶክተር ኣዶልፍ ፍረትዝ ኣብ ሕልሙ መጺኡ ብሓደጋ ማኪና ክመውት ምዃኑ ከም ዝነገሮ ተዛሪቡ ኔሩ። ከይደንጐየ ድማ ድሐሪ ወርሒ ብሓደጋ ማኪና ሞይቱ። ሞት ኾሴ ንተኣምር ዶክተር ኣዶልፍ ፍረትዝ ኣየኽተሞን፣ ኣብ ካልእ እዋን ንትንክፎ ንኸውን እምበር፡ ብርክት ዝበሉ “ምትሃት ዶክተር ኣዶልፍ ፍረትዝ ተላቢሱና” ኢሎም ተመሳሳሊ ተግባራት ይፍጽሙ ዝነበሩስ ተራእዮም’ዮም። እቲ ግድል ግና ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን።