Hard question

Hard question definition and meaning

Hard question definition and meaning

“ድላይካ ሕተት” ኣብ ዝብል መደብ
ቲቪ ቀሪቡ ቃለ መሕትት ዘካየደ ናይ
ዓለም ቀዳማይ ሃብታም ቢል ጌትስ፡ ‘ኣብ
ህይወትካ እንታይ ዘጣዕሰካ ኣሎ?” ዝብል
ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ። ቢል ጌትስ ብዘይካ
ሓደ ቋንቋ ካልእ ዘይፈልጥ ብምዃኑ
ከምዘጣዕሶ ገሊጹ።
እታ ናይ ኣደኡ ዝኾነት ቋንቋ
እንግሊዝ እንተዘይኰይና ዓረብ፡ ወይ
ፈረንሳ ወይ ማንዳሪን (ቋንቋ ቻይና)
ብዘይ ምፍላጡ ከም ዝጠዓስ እቲ ወዲ59 ዓመትን ወናኒ 80 ቢልዮን ዶላርን
ኣመሪካዊ ይገልጽ። ወናኒ ማይክሮሶፍት
ቢልዮነር ቢል ጌትስ ኣብዚ ግዜ እዚ
ኣብ ግብረ ሰናይ ስራሕ ጥራይ ተዋፊሩ
ከምዝርከብ ይፍለጥ።
ብኣንጻሩ መንእሰይ ቢልዮነር ወናኒ
ፈይስ ቡክ ዛከርበርግ ቋንቋ ማንዳሪን
ኣጻርዩ ዝዛረብ ከምዝዀነን ኣብ ናይ
ቻይና መገሻኡ ብጽሩይ ማንዳሪን
ንህዝቢ ዘሐጐሰ ቃለ መሕትት ምግባሩን
ጸብጻባት የረድኡ።